ብ “African Continental Road Championships 2022” ዝጽዋዕ ኣብ ግብጺ ካብ 22 ክሳብ 27 መጋቢት ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ብዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ሙሉብርሃን መጋረጅኡ ዓጺዩ ።
ኣብ’ቲ ናይ 27 መጋቢት 5ይን ናይ መወዳእታ ውድድር፡ 150.6ኪሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ኮንዩ፡ ዓበይቲ(Elite) ከምኡውን ትሕቲ 23 ዓመት ተቐዳደምቲ ዘሳትፍ ናይ ጽርጊያ ወድድር ኔሩ። ካብ 19 ሃገራት ዝተወከሉ 75 ተቐዳደምቲ ዝሓቖፈ’ቲ ወድድር፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ሙሉብርሃ ወርቂ መዳልያ መዳልያ ዘመንዝዖ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ዳዊት የማን ኣኽሊሉ ግብርሂወት ዝሓዘት ጉጅለ ሃዲማ ብምኻድ፡ ኣብ መወዳእታ ብዝገርበረቶ ቅጽበታዊ ወድድር፣ ትስፉው ተቐዳዳማይ ሄኖም ሙሉብርሃን፡ ንናይ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ Reinardt Janse Van Rensburg ኣኽቲሉ ብምእታው እዩ “ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022” ኮይኑ ዘሎ።
ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ቤልጂየም ኽካየድ ኣብ ዝቐነየ ቅድድማት ዎርልድ ቱር፡ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ Intermarche-Wanty Gobert ቢንያም ግርማይ ምስ 4 ርእሱ ሃዲሙ ብምውዓል፡ ብዝገበሮ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር መሪሑ ብምዉጻእ ነቲ ዉድድር ንፈላማ ዝተዓወተሉ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ንሃገሩ ኣስሚዩ ኣሎ።