ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ዲሲን ከባቢኣን ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ብጉዳይ ኲናት ዩክሬን ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ዝወሰዶ ዘሕፍር መርገጺ ንምቅዋምን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ዩክሬን ምዃኑ ንምርኣይን፡ ብ28 መጋቢት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ተሳቲፎም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ እቶም ተሳተፍቲ ብዓለምለኻዊ ምትእኽኻብ ይኣክል ዝትጻሕፈ ናይ ደገፍ መልእክቲ ንኣምባሳደር ዩክረይን ኣብ ሕ.መ.ኣ ኣረኪቦም።

ወራር ሩስያ ንምዂናንን ንምግታእን ዛጊት ኣብ ዝተጋብኡ ኣኼባታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኤርትራ እታ ኣንኮ ምስ ሩስያ ዝወገነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኪትከዉን ኣገዲዱ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ከቢድ ኣህጉራዊ ትዕዝብቲ ኣትዩ ከምዘሎ ይንገር።

ህግደፍ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ኽቃወም ዘይመርጸሉ ዘሎ ምኽንያት ፣ ዉልቃዊን ጉጅለኣዊን ረብሓታቱ ንምሕላዉ ኮይኑ፣ ዝገዘፈ ክፋል ማሕበረሰብ ዓለም ኣንጻር ወራር ሩስያ ደዉ ኢሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ከምዚ ዓይነት መርገጺ ብምምራጹ፣ ኲናት ዩክሬን ምስ ዓረፈ፡ ሓያል ኣህጉራዊ መቕጻዕቲ ክጽበዮ ምዃኑ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝገልጹ።

ብመንገዲ ፊናንሳዉያን ትካላት ሩስያ  ልዑል መጠን ገንዘብ ከዝዉርን ኬሕጽብን ምጽንሑ ዝንገረሉ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ኣብ ማሕፉዳታት ባንክታት ሩስያ ኪሓብኦ ዝጸንሐ ገንዘብ ከይስወሮ ፡ ናብቶም ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጸዓኑ ዘለዉ ቊጠባዊ እገዳታት ኣድሂቡ ጥራይ ኪቃወምን ጸግዒ ሩስያ ኪሕዝን ይርአ ኣሎ።