ኣብ ሊብያ ሓቅታት እተጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ምድረበዳዊት ከተማ ቤን ዋሊድ ፡ ስደተኛታት ኣብ ጋህሲታት ተቐቢሮም፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ድማ ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጻት ተኻይዶም ዝብል ካብ ስደተኛታት መሰኻክር ንዘዋህለለቶ ሓበሬታ ንምርግጋጽ መርመራታት ጀሚራ ምህላዋ ሓቢራ።
እታ ኣጻራዪት ጉጅለ ፡ ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ እተቕርቦ ሰነድ፡ ንገለ ካብ በታ ናይ ስቓይ ከተማ ዝሓለፉ ስደተኛታት ኣዘራሪባ ዘሰንብድ ሓበሬታ ኣስፊራ ምህላዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ቤን ዋሊድ፡ ስደተኛታት ተቐቲሎም ኣብ ጋህሲ ከምዝድፈኑ፣ ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ኣካላተን ኪቃጸል ከምዝግበር፣ ናይ ጉዕዞን መልቀቒን ገንዘብ ኪኸፍሉ ዘይከኣሉ ብህይወቶም ከምዝነዱን ካልእን ዝብሉ ኣሰቀቕቲ ገበናት ብዓይኖም ከምእተዓዘቡ እዮም እቶም ስደተኛታት መሰኻክር ነታ ኣጻሪት ጉጅለ ሓቢሮም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ንምርግጋጽ፡ ክኢላታት ኣዉፊሩ’ኳ እንተሎ፡ በቶም ገበናት ዝሕተቱ ወገናት ንምቕያድ ግን ንመንግስቲ ሊብያ ቴክኒካዊ ሓገዛት ኪግበረሉ ከምዝግባእ እታ ኣጻራዪት ጉጅለ ተማሕጺና ኣላ።
ኣብ ሊብያ ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታትን – ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ይፍጸም ከምዘሎ ፡ እታ ኣጻራይት ጉጅለ ኣቐዲማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2021 ኣብ ዝዘርገሐቶ ጸብጻብ ኣፍሊጣ እያ።
ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ግዳያት ጃማላዊ ቅትለት፡ ኣልመምቲን ዝተወሃሃዱን ጭዉያታት፡ መስወርቲ፡ ድጎናን መግረፍቲን ኮይኖም ምህላዎም ፣ ሰራዊት መንግስቲ ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ግዳማዉያን ሓይልታት፡ ከምኡ’ዉን መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ-ሰብን ድማ ነቶም ገበናት ዝፍጽሙ ዘለዉ ምዃኖም እዩ እቲ ናይ ሽዑ ጸብጻብ ዝኸስስ።
ልዕሊ 12 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ 27 ኣብያተ ማኣሰርቲን መዳጎኒ ማእከላትን ሊብያ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፣ ኣሽሓት ካልኦት እዉን ብዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ኣብ ዝዉነና ምስጢራዉያን መዳጎኒ ማኣከላት ብዘይሕጊ ተታሒዞም ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ምህላዎም፡ ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴረዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘቕረቦ እዋናዊ ጸብጻብ ምሕባሩ ይዝከር።
ኣሃዱ ፖለቲካዊ ተልእኾ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ (UNSMIL) ፣ ማእሰርቲ፡ ድጎና፡ ከምኡ’ዉን ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጻት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ቀጻሊ ይዕዘብ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ዋና ጸሓፊ ፡ ብፍላይ ኣብ’ተን ብመንግስቲን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝመሓደራ መዳጎኒ ማእከላት ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ቀይዲ በቲኹ ከምዘሎ እዩ ኣተሓሳሲቡ።