ረድኤት ናብ ህዝቢ ትግራይ ብዘይጸገም ንኽበጽሕ ዘኽእል ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ መርገጺ ካብ ዝወስድ ራብዕቱ ኣቚጺሩ እንዳሃለወ፡ ዛጊት ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘየለ ክፍሊ ዝድናታት ወጻኢ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብ28 መጋቢት ሓቢሩ።

እቲ ክፍሊ ኣብ መግለጺኡ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብቓል ጥራይ ዝምደረሉ ዘሎ ሰባኣዊ ተበግሶ ብልክዕ ብምርዳእ፣ እቲ ተበግሶ ብተግባር ኪረጋግጽ ንፈደራላዊ መንግስቲ ጸቕጥታት ኪገብር ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብ24 መጋቢት ዝተኣወጀ በይናዊ ምቊራጽ ተጻብኦታት ዛጊት ንህዝቢ ትግራይ ዘምጸኣሉ ሰብኣዊ ፍታሕ ከምዘየለ ዝጠቐሰ መግለጺ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ስደት ሓያል ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይድ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ንምድንጋር ዝዓለመ ከምዝመስል ኣተንቢሁ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፡ ብ26 መጋቢት ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ’ዉን፡ ሰብስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ካብ ዝሐለፈ ባህሪኦም ተገላጊሎም ኣብ ቃሎም ክጸንዑ ትጽቢት እኳ እንተሎ፡ ዛጊት ነቲ ትጽቢት ዘረጋግእ ዝኾነ ኣንፈት ከምዘይተራእየ ነጊሩ ነይሩ።

ዝተፈላለዩ ኣካላት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ኣመልኪቶም እወታዊ መግለጺታት የካፍሉ ከምዘለዉ ዝሕበር ኮይኑ፣ ማሕበረሰብ ዓለም እዉን ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ዘሎ ስጒምቲ ብቐጻሊ ከመስግን ይርአ ኣሎ።

እቲ ሰብኣዊ ቅልዉላዊ ህዝቢ ትግራይ ንምዝላቕ ተባሂሉ ተወሲዱ ዘሎ መርገጺ ፡ ፖለቲካዊ መልክዕ ከይሕዝ ኪጽዉዕ ዝቐነየ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፡ ኣዋናዊ መርገጺ ፈደራላዊ መንግስቲ – ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍን ብዘይጸገምን ናብ ህዝቢ ትግራይ ንኽበጽሕ እንተኣኽኢሉ ፡ ብወገን ሓይልታት ትግራይ ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ኪዉሰድ ከምዝኾነ ገሊጹ’ዩ።

እቲ ንዘይተነጸረ እዋን ኪቐንዕ ተመዲቡ ዝተባህለ ምቚራጽ ተጻብኦ፡ ሰብኣዊ ድሕነት ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝዓለመን ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ’ታ ክልል ዘብሎ ረዲኤት ብዘይጸገም ንኽበጽሕ ዘኽእልን ከምዝኾነ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገልጽ።

ሓድሽ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተግባር እንተተመስኪሩ፡ ኪንዮ ምዝላቕ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ነቲ ኣብ’ታ ሃገር ልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ኽርከቦ ባይታ ከንጽፍ ከምዝኽእል እዩ ዝንገር።