ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ፣ ናብ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ዘነጻጸረ ብ S.3199 ዝፍለጥ ተሪር እማመ ብ29 መጋቢት ቅቡል ገብርዎ ። S.3199 ልክዕ ከም’ቲ ብተመሳሳሊ ኮሚተ ናይ ኮንግረስ ተኣሚሙ ዝዝተየሉ ዘሎ H.R.6600 ፡ ተረርቲ ቀይድታት ዝሰርዐ ኮይኑ፣ ሰላምን ምርግጋኣን ኢትዮጵያ ኣብ 2022 ክዉን ንምግባር ዝዓለመ ሕጊ ኮይኑ’ዩ ንፈጽሚ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣምሪሑ ዘሎ።

S.3199 ብሰኔተር ሮበርት መንደዝ ናይ ኒው-ጀርዚ ተነዲፉ ናብ ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ቀሪቡ ኪግምገብ ዝጸንሐ እዩ።

S.3199 ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንምጽናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ከምኡ’ዉን ገበናት ኲናት ብዝምልከት ስሩዕን ክፉትን ክትትል ኪቃናዕ፥ ሰላማዊ መስርሕ ንምዕዋት ቴክኒካዊን ዲፕሎማስያዊን ደገፋት ኣመሪካ ክወሓስ፥ ካብ’ቲ ኲናት ንኽረብሕ ከምኡ’ዉን እቲ ኲናት ንኸይግታእ ኣብ ልዕሊ ዝጻባእ ግዳማዊ ሓይሊ ይዂን ዉልቀሰብ ናይ ንዋትን ቪዛን እገዳታት ኪዉሰን ፥ ወተሃደራዊ ሰድድ ይዂን ጸጥታዊ ደገፍ ደዉ ክብል፥ ብኣህጉራዉያን ፊናንሳዉያን ትካላት ዝወሃብ ዘይሰብኣዊ ደገፋት ኪዂነን፥ ብግዳማዉያን ሓይልታትን ዉልቀሰባትን፡ ከምኡዉን ብሰብ ዲያስፖራ ዝካየዱ ጎዳእቲ ንጥፈታት ክትትልን ጽብጸባን ኪግበረሎም፥ መርበባዊ ሓሶትን ነቲ ተግባር  ዝምዉሉ ኩሎም ወገናትን ቀጻሊ ክትትል ኪግበረሎምን ካልእን ዝብሉ ጠለባት ኣስፊሩ እዩ ሓሊፉ ዘሎ።

ብኮሚቴታት ዝምድናታት ወጻኢ ናይ ኮንግረስን ሰኔትን ብቐደም ተኸተል ክረኣዩ ዝጸንሑ ንድፈ-እማመታት H.R.6600ን S.3199ን እንተጸዲቖም ፡  ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝበዝሑ ተሳተፍቲ ኲናት ሕድሕድ እታ ሃገርን ከቢድ ቀይዲ ክሰምር ምዃኑ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣማመ S.3199 ድሮ ንፈጽሚ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣምሪሑ ምህላዉ ነቶም ብገበናት ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ዝሕተቱ ወገናት ከቢድ ራዕዲ ፈጢሩ ኣሎ።