ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ፣ ኣስታት 120 ዝኾኑ ኣብ’ዚ ቅንያት ናብ ርዋንዳ ከምዝገዓዙ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ሓያለ ኤርትራዉያን ዝርከብዎም እቶም ስደተኛታት፡ ናብ’ቲ ኣብ ከባቢ ርእሰ-ከተማ ኪጋሊ ዝርከብ መጻንሒ ማእከል ጋሾራ ኪኣትዉ ምዃኖን ዝሓበረ እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ፣ እቲ ምግዓዝ – ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝካየድ ሰብኣዊ በረራ ዳግማይ ክጅምር’ዩ ካብ ዝበሃል ንፈለማ ግዜ ዝቃናዕ ዘሎ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ርዋንዳ ነቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2019 ምስ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝኣተወቶ ፡ ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደጋ ንዝተዓግቱ ስደተኛታት ኽትቅበል ዝዓለመ ዉዕል ዘሐድስን ዘቐጽልን ካልእ ዉዕል ደጊማ ምኽታማ ይዝከር።
እቲ ብ14 ጥቅምቲ 2021 ዝተኸተም ሓድሽ ውዕል ፡ ርዋንዳ ንሓያለ ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ክሳብ 31 ታሕሳስ ናይ 2023 በብመድረኹ ተቐቢላ ግዝያዊ መጽለሊ ኽትህብ ዘኽእል እዩ።
እቲ ዉዕል ድሕሪ ምሕዳሱ፡ ንኣስታት 200 ሰባት ጥራይ ኣጽሊሉ ዝነበረ መጻንሒ ማእከል ጋሾራ፡ በብመድረኹ ካብ 500 ክሳብ 700 ስደታኛታት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ንኽህልዎ ክስራሕ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣቐዲማ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝኸተመቶ ስምምዕ፡ ርዋንዳ ካብ ምዝዛም ዓመተ 2019 ፡ ብመንገዲ ሓሙሽተ በረራታት ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 650 ስደተኛታት ከምእተቐበለት፡ ዝበዝሑ ካብኣቶም ድማ ብመስርሕ ዳግመ-ሰፈራ ናብ ኖርወይ፣ ጥልያንን ካናዳን ከምዘምርሑ ይግለጽ።
ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብዘይካ’ቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝሳቀዩ ዘለዉ ስደተኛታት ፡ ኣሽሓት ካልኦት ኣብ ጎደናታት ትሪፖሊ ብዘይመጽለሊ ተደርብዮም ሕሰም የሕልፉ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ምስ ሩዋንዳ ተሓዲሱ ዘሎ ዉዕል፡ ኣብ ሊብያ ዝብእስ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ስደተኛታት ከፊላዊ ፍታሕ ኪርከቦ ከምዘኽእል እዩ ኪሕበር ጸኒሑ።