መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሒ ሰራዊትን ኣጽዋርን ናብ ዶባት ክልል ትግራይ የግዕዝ ብምህላዉ፡ ቀጻልነት ናይ’ቲ ተግባራዉነቱ ዛጊት ዘይተረጋገጸ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣቱ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡  እቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ፡ ናብ ትግራይ ተመዲቡ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኾነ ዕንቅፋት ከይገጥሞ ጸጥታዊ ምሕስነት ንምሃብ ዝዓለመ ጥራይ ምዃኑ ይገልጽ እኳ እንተሎ፡ ብሸነኽ ክልል ትግራይ ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዕንቅፍ ስግኣት ከምዘየለ ዝምጒቱ ሰብስልጣን እታ ክልል ግን፡ እቲ ብሽፋን ጸጥታዊ ውሕስነት ሰብኣዊ ረድኤት ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰራዊትን ኣጽዋርን ካልእ መዘዝ ከምዘለዎ እዮም ዝኸሱ።

ሰብኣዊ ምቊራጽ ታጻብኦ ካብ ዝእወጅ ሰሙን ኣቚጺሩ እንዳሃለወ ፡ ናብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ዝበጽሐ ረዲኤት ከምዘየል እዩ ዝሕበር።

“ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይጸገም ናብ ህዝቢ ትግራይ ንኽበጽሕ” ብዝብል፡ ባዕላዊ ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ መርገጺ ዝኣወጀ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢታት ክልል ዓፋርን ገለ ሸነኻት ክልል ኣምሓራን ኪወጹ ዝጽውዕ ቅድመኩነት ምስ’ቲ ስብኣዊ ቅልዉላዉ ንምዝላቕ ዝወሰዶ ተበግሶ ኬተሓንፍጽ ጀሚሩ ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ።

ብዝጸንዑ ዘለዉ ምፍርራሃትን መቕጻዕትታትን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ከቢድ ወጥሪ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዪጵያ፡ ብሰለስተ ሸነኻት ናብ ክልል ትግራይ ዘብሎ ዘሎ ሰራዊትን ኣጽዋርን ፡ ሓድሽ ወራር ንምክያድ ዝዓለመ እዩ ኢልካ ንምድምዳም ከምዘጸግም ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ እቲ ሓድሽ ተርእዮ ብሓይልታት ትግራይ ከም ቀጥታዊ ስግኣት ከይዉሰድን ናብ ሓድሽ ጎንጺ ከይእቶን ግን ስክፍታት ከምዘሎ የተንብሁ።