ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ኪኣትዋ ጀምረን ከምዘለዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት WFP ይገልጽ ኣሎ ። ዛጊት ኣስታት 500 ሜትሪክ ቶን መግቢን መድሃኒትን  ዝጸዓና መካይን ዶብ ክልል ትግራይ ሰጊረን ናብ መቐለ የምርሓ ምህላወን ዝሓበረ እቲ ትካል ፣ እዚ ንተግባራዉነት ናይቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ዘረጋግጽ ከምዝኸዉን ኣረዲኡ።

ሰብስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ እዉን ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ውድብ መግቢ ዓለም ዶብ ክልሎም ሰጊረን ናብ መቐለ የምርሓ ምህላወን ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ጎደና ተስፋ ዝመልስ ምዃኑ ይሕብሩ ኣለዉ።

ልዕሊ 85 ሚእታዊት ህዝቢ ክልል ትግራይ ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ዝሕበር ኮይኑ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ’ቲ ህዝቢ ብወግዒ ኪበጽሕ ምጅማሩ ንብዙሓት ተስፋ ዝህብ፣ ንፈደራላዊ መንግስቲን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንምቅርራብ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ድማ ደሓን ዝኾነ ምትእምማን ዝፈጥር እዩ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍን ብዘይጸገምን ናብ ህዝቢ ትግራይ ክበጽሕ እንተጀሚሩ፡  ነቲ ብ24 መጋቢት ብመንግስቲ ሃገሩ ተኣዊጁ ዘሎ ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ መርገጺ ተመሳሳሊ ግብረመልሲ ኪህበሉ ድሉው ምዃኑ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ እዩ።

እቲ ንዘይተነጸረ እዋን ኪቐንዕ ተመዲቡ ዘሎ ምቚራጽ ተጻብኦ፡ ሰብኣዊ ድሕነት ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝዓለመን ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ’ታ ክልል ዘብሎ ረዲኤት ብዘይጸገም ንኽበጽሕ ዘኽእልን ከምዝኾነ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገልጽ።

ሓድሽ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተግባር እንተተመስኪሩ፡ ኪንዮ ምዝላቕ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ነቲ ኣብ’ታ ሃገር ልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ኽርከቦ ባይታ ባይታ ከንጽፍ ከምዝኽእል እዩ ዝንገር።

ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝጸንሖ ተጻብኦ ከዝልቕ ምውርሑ ክሕበር ቀንዩ እዩ። ስልፊ ብልጽግና ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ’ዛ ወርሒ ኣብ ዘቃንዖ ጉባኤ፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ ዘተ ንምኽታም ኩሎም ኣማራጺታት ክጥቀም ምውሳኑ ይፍለጥ።