ኣብ ሰዓታት ኣጋምሸት ናይ 2 ሚያዝያ ፡ መንነቶም ዛጊት ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ናብ’ቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ዳባት ናይ ጎንደር ዝርከብ ሓድሽ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ሰሊኾም ብምእታዉ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ፣ ብዉሑዱ 8 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ምቚሳሎም ምንጭታት ካብ’ቲ መዓስከር ሓቢሮም።

በቲ ብረታዊ ስጒምቲ ዝቖሰሉ ግዳያት ሻቡ ናብ ሆስፒታላት ጎንደርን ደባርቅን ከምዘምርሑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ክልተ ካብቶም ግዳያት ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ምንባሮም የረድኡ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ንምፍላጥን ንምቕያድን ኣባላት ጸጥታ እቲ ከባቢ ወፊሮም እኳ እንተሃለዉ ፣ ንምዕባለኡ ብዝምልከት ዛጊት ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡  ካብ’ተን ኣቐዲመን ዝዓነዋ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ተበታቲኖም ናብ ከባቢታት ጎንደር ንዝወሓዙን፡ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝሳቐዩ ንዘለዉን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምዕቋብ፡ ካብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2021 ነቲ ሓድሽ መዓስከር ክሃንጽ ከምዝጀመረ ይዝከር።

ኢትዮጵያዊ በዓል-መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ARRA ምስ ላዕለዋይ ተጽዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ መግቢ ዓለምን ካልኦት ናይ ግብረሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ነቲ ሓድሽ መዓስከር ከደላድል ድሕሪ ምጽናሕ እዉን፣ ዝሓለፈ 22 ለካቲት ኣስታት 1,400 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ምቕባሉ ይፍለጥ።

ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ባራሕሌ ናይ ክልል ዓፋር፡ ብዉሑዱ ሓሙሽተ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዕጡቓት ከምእተቐትሉን ደቂኣንስትዮ ከምእተጨዉያን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ካብቲ መዓስከር ካብ ዘምለጡ ስደተኛታት ንዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ገሊጹ ነይሩ እዩ።

እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንመንነት እቶም ናብቲ መዓስከር ስደተኛታት ብምእታዉ ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ስደተኛታት ብረታዊ መጥቃዕቲን ጭዉያን ዝፈጸሙ ዕጡቓት ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃበ፡ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ AFP ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ከተማ ሰመራ ካብ ዝበጽሑ ኤርትራዉያን ኣብ ዝኣከቦ ቃለ-ምስክርነት ግን፡ ነቲ ኢሰብኣዊ ተግባር ዝፈጸሙ ሓይልታት ትግራይ ምንባሮም ምሕባሩ ይዝከር።