ኣብ ሱዳን፣ ቊጠባዊ ዉድቀት፡ ሕጽረት ዝናብ፡ ኣህጉራዊ ተነጽሎን ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ ዝዓርግ ዘሎ ኲናትን፡ ንዋጋታት መግቢ ኣንሂሩ ንህዝቢ እታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ጥሜት ክመርሖ ምዃኑ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቕቓ ኣለዋ።
በተን ትካላት ኣብ ዝእመት ዘሎ ሓደጋታት ጥሜት ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ምዝዛም 2021 ዳግማይ ወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ዝካየድ ጀሚሩ ዝብእስ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ፡ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፋአ ምፍሳስ ደምን ጥሜትን የግዕዛ ምህላዉ እዩ።
ኣብ 2019 ንምልካዊ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ዓልዩ ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ ብማሕበረሰብ ዓለም ደሓን ዝኾነ ተቀባልነት ኣዉሒሱ – ብፍላይ ካብ ሃገራት ምዕራብ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ሓገዝ ምሕዋይ ዕዳን ኪቕበል ተቓሪቡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣካል ናይ’ቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሸነኽ ዳግማይ ዕልዋ ብምክያድ ስልጣን ኪብሕት ይሰርሕ ብምህላዉ ግና፡ ነታ ሃገር ተቐሪቦም ዝነበሩ ገንዘባዊ መብጸዓታት ምትዕንቓፎም ይግለጽ።
ከም ሳዕቤኑ ክብሪ ባጤራ ኣታ ሃገራ ብዝተዓጻጸፈ ናህሪ ኪፈኲስን ቊጠባዊ ዝቕባበ ብልዕሊ 250 ሚእታዊት ኪዓርግን ይርአ ከምዘሎ ዝሕብሩ ክኢላታት ቊጠባ፣ ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ 2 ፓዉንድ ሱዳን ዝነበረ ዋጋ ሓንቲ ሕብስቲ ናብ 50 ፓዉንድ ዓሪጉ ምህላዉ ከም ኣብነት ይጠቕሱ። ኣብ’ዚ ግዜ እዚ 1 ዶላር ኣመሪካ 445 ፓዉንድ ሱዳን ይሽረፍ ምህላዉ ይፍለጥ።
ብዘይካ’ዚ 85 ሚእታዊት ናይ’ቲ ናብ ሱዳን ዝኣቱ ስርናይ ካብ ሩስያን ዩክሬንን ዝሽመት ብምንባሩ፣ ሱዳን ብኲናት ዩክሬንን ሩስያን ሓለፋ ተጸልየን ካብ ዘለዋ ሃገራት ኮይና ኣላ።
ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓልፈ ሰሙን ኣብ ዘውጻኦ እመታዊ ሓበሬታ’ዉን፣ ንጥሜት ተቓሊዖም ዘለዎም ንብረቶም ናይ ዝሸጡን ዝነድዩን ሱዳናዉያን ብዝሒ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ናብ 18 ሚልዮን ገጹ ክድይብ ከምዝኽእል እዩ።
ብትካላት ረዲኤት ናብ ሱዳን ዝቐርብ ደገፍ ዉሒዱ ምህላዉ ዝጠቅስ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ትካሉ ኣብ’ታ ሃገር ከዚንዎ ዘሎ መግቢ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት ክነጽፍ ምዃኑ እዩ ዘተሓሳስብ።