ንነብሱ ‘ስርሒት ዱዱላ’ ኢሉ ዝጽዉዕ ፣ ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ኪወጽኡ ዝንቀሳቐስ ጸቢብ ደቡብ-ኣፍሪቃዊ ጉጅለ ዝወደቦ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ጎደናታት ጆሃንስበርግ ድሕሪ ምክያዱ፣ ጽለኣት ስደተኛታት ዝደፍኦ ናዕቢ ዳግማይ ኸይክሰት ተሰጊኡ ከምዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ብ31 መጋቢት ብጎደናታት ናይ’ቲ ስደተኛታት ብብዝሒ ዝነብርሉ ሸነኽ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝተኻየደ ኣማኢት ሰባት ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ ፣ ኣብ’ታ ሃገር ዕድላት ስራሕን ቊጠባን ዜጋታት ንዝሻመዉ ዘለዉ ዘይደቂ ሃገር ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኪለቁ ዝጽውዑ ጭርሖታት ክስመዖ ከምዝወዓለ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።

በዚ ድማ ሓያለ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ፍርሂ ከምዝርከቡ ዝተፈላለያ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጻ ኣለዋ።

ስርሒት ዱዱላ ፣ መጠን ስራሕ-ኣልቦነት ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 35 ሚእታዊት በጺሑ ኣንዳሃለወ ፣ ዘይደቂ ሃገር ናይ ስራሕን ወፍሪን ዕድላት ኪወሓስሎም ከምዘይግባእ ዝጽዉዕ ጉጅለ ኮይኑ፣ ኣቐዲሞም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ናይ ዝተኻየዱ መጥቃዕታት ቀንዲ ወዳቢ ምዃኑ እዩ ዝሕበር።

ፖለቲካዉያን ጉጅለታት ደቡብ ኣፍሪቃ ንጉዳይ ስደተኛታት ከም መሻየጢ ህዝባዊ ደገፍ ይጥቀማሉ ምህላወን ዝወቕሱ ወገናት፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ተን ጉጅለታት ዘተግብሮም ቀይድታት ዘዕግብ መለሳ ይርከቦም ከምዘየለን ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብጽለኣት ዝድፍኡ መጥቃዕታት ገና ይቕጽሉ ምህላዎምን እዮም ዝኸሱ።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ደቡብ-ኣፍሪቃ ኣብ ስራሕን ወፍሪን ናይ ዝነጥፉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ቊጽሪ ቀሊል ከምዘይኮነ ይፍለጥ።