መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እታ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሃገሩ ንዝተፈጸሙ ገበናት ንምጽራይን ንተሓተቲ ናብ ፍርዲ ንምቕራብን ብዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመት ነጻ ኣካል እኹል ገንዘባዊ ምወላ ከይትረክብ ዘካየዶ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ኮሚተ ባጀት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብ31 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ፣ ኢትዮጵያ – ምወላ ንኽዕገት ኸተካይዶ ዝጸንሐት ፈተነ ብ27 ኣባላት ሃገራት ደገፍ እኳ እንተረኸበ ፣ ብ66 ሃገራት ተቛውሞ ስለዝሰዓቦን ብ39 ካልኦት ዕቃበ ስለዝተራኣየሉን፣ ነታ ኣጻራዪት ገበናት ኲናት ዝካየድ ምወላ ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፣ ነታ ገበናት ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ እተጻሪ ኣካል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ብወግዒ ከምዘቖመ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ እትዮጵያ እቲ ስጒምቲ ዉጹእ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ’ዩ ብምባል ይነጽጎ ምህላዉ ይንገር።
ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወ.ሮ ለምለም ፍሰሃነ ምናል ፣ ኮሚቴ ባጀት ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ምእካባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ሃገራ ንህላዌን መጻኢ ንጥፈታትን እታ ኣጻራዪት ኣካል ኣፍልጦ ከምዘይትህቦ ጠቂሳ፣ እታ ኣካል ናብ ኢትዮጵያ ትኣትወሉ ዕድል ከምዘይህሉ ኣተሓሳሲባ እያ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣካየድቲ ናይታ ኣጻራዪት ኣካል ከምዝመዘዘ ይፍለጥ። እቲ ባይቶ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከም ኣኽባሪት ሕጊን ተሓጋጋዚት ኣኽባር ሕጊን ኮይና ንልዕሊ 16 ዓመታት ዝሰርሐት ጋምብያዊት ፋጡ ቤንሱዳ ነታ ኣጻራዪት ኣካል ክትመርሕ ዝመዘዛ ኮይኑ፣ ኬነያዊት ካሪ ቤቲ ሙሩንጊን ኣመሪካዊ ስቲቨን ራትነርን ብመሪሕነት ምስኣ ክነጥፍኡ እዮም።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ምቛም እታ ኣጻራዪት ኣካል ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሃገሩን ዝተኻየደ ሓባራዊ መርመራ ዘናሹ ከምዝኾነ እዩ ዝወቅስ።
ጸብጻብ ናይ’ቲ ካብ ካብ 16 ግንቦት ክሳብ 31 ነሓሰ 2021 ዝተኻየደ ሓባራዊ መርመራ ፡ ዝሓለፈ 3 ሕዳር ናይ 2021 ምዝርጋሑ ኣይርሳዕን። እቲ ጸብጻብ ፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ብዝሳተሳተፉን ብዝሳተፉ ዘለዉን ኩሎም ሓይልታት ፡ ክሳዕ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነትን ዝዓርጉ ዝተፈላለዩ በደላት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ስደተኛታትን ከምእተፈጸሙ ኣቃሊዑ ነይሩ።