ሱዳን ንፍሉይ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከተባርሮ ከምእትኽእል፡ ወተሃደራዊ መራሒ እዋናዊ መንግስቲ እታ ሃገር ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣጠንቂቚ።

እቲ ሱዳናዊ መራሒ ፡ ብ 1 ሚያዝያ ኣብ ሓደ ናይ ምምራቕ ስነስረዓት ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ዝህቦ ዝነበረ መግለጺ፡ ፍሉይ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን  ዎልከር ፔርዝስ ካብ ቅጺ-ሓላፍነቱ ወጻኢ ይነጥፍን ንምስሊ ሱዳን ንምድዋን ኣብ ባይታ ዘየለዉ ሓቅታት የራብሕን ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣካይዳታቱ እንተዘይኣመሓይሹ  ኪስጎግ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን ንዘሎ ኩነታት ክከታተልን ንመንግስቲ ሱዳን ናይ ምኽሪ ደገፍ ኪገብርን ዝስርሑ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ንቊጠባዊ ዉድቀት፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን መስርሕ ምስግጋር ስልጣንን ሱዳን ኣመልኪቱ ኣብዚ ቅንያት ናብ ባይቶ ጸጥታ ዘካፈሎ ጸብጻብ ግጉይ ሓበሬታ ዘስፈረ ምንባሩ እዩ እቲ ሱዳናዊ መራሒ ዝወቅስ።

ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሸነኽ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ፣  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2021 ዳግማይ ዕልዋ ኣካዪዱ ስልጣን ብምብሓቱ ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ተቛዉሞ፡ ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ሕንፍሽፍሽ የምርሓ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብፍላይ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ተቛዉሞ ንምድቋስ ዝወስድዎ ዘለዉ ብረታዊ ስጒምትታት ፡ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ኣህጉራዊ ትዕዝብቲ አእትዩዋ ይርከብ።