ኣብ ወድድር International Marathon- ዳይጉ፡ ኤርትራዊት ኣትለት ናዝሬት ወልዱ 1’ይቲ ብምውጻእ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊባ። ኣብቲ ንመበል 12 ጊዜኡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተኻየድ ወድድር ማራቶን፡ ኦሎምፒካዊት ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ንክልተ ኬንያውያን ኣትለታት ኣኽቲላ ብ 2፡21.56 ወድድራ ብምፍጻም ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊባ። ብተወሳኺ ናዝሬት ወልዱ ኣብ’ቲ ውድድር፡ ሃገራዊ ክብረወሰን ደቂኣንስትዮ ማራቶን ኤርትራ ከምኡ’ውን ናይ ውልቃ ሓድሽ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ብጠቕላላ 3 ክብረወሰን ሰይራ።
42KM WOMEN
1. Nazret Grnrrhiwet (ERI) 2:21.56 (NR, CR, PB)
2. Pamela Rotich (KEN) 2:22.43
3. Judith Jerubet (KEN) 2:26.17
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ንጉሰ ኣምለሶም ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ወድድር International Marathon- ዳይጉ፡ ብ 2:10:30 ብምእታው ዓስራይ ኮይኑ ውድድሩ ፈጺሙ። ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳምይ ታምሩ ሽፈራው ዝተዓወተሉ እቲ ውድድር፡ ንጉሰ ኣምለሶም ናይ ጭዋዳታት ጸገም ስለዘጋጠሞ፡ ወድድሩ ክዛዝም ኣይከኣለን።
በዚ መሰረት፡
42KM MEN
1. Shifera TAMRU ETH 2:06:31
2. Dickson CHUMBA KEN 2:07:11
3. Hamza SAHLI MAR 2:07:15