ሎሚ 3 ሚያዝያ ፡ እታ ኣብ መበል 15 ዓመት ዕድሜኣ ብኣባላት ስለያ ህግደፍ ካብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ተጨዉያ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ደሃይ ዘይብላ ሲሃም ዓሊ፡ ጓል 25 ዓመት ትኣኽለሉ ዘላ እዩ።

ሲሃም ዓሊ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2012 ተጨዉያ ካብ ትስወር ድሮ 9 ዓመትን 4 ወርሒን ኮይኑ ኣሎ።

ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ሲሃም ዓሊ፡ ከም መልጎሚ ኣፍ ናይቲ ኣብ መፋርቕ 2012 ካብ ሃገር ዘርሓቐ ወላዲኣ ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱ፡ ጅሆ ከምእተወስደት ብተደጋጋሚ ይግለጽ እዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ጉዳይ ናይ’ታ ብዜግነት ትብጽሖ፣ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ካብ እትዳጎን ድማ ልዕሊ 9 ዓመት ተቚጽር ዘላ ሲሃም ቅልጡፍ ፍታሕ ኽርከቦ ካብ ምምሕጻን ሓሊፉ ዛጊት ዝወሰዶ ተግባራዊ ተበግሶ የለን።