ኣብ ርእሰ-ከተማ ሃርጌሳ ናይ ሶማሊላንድ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ዕዳጋ ብዘጋጠመ ሓያል ባርዕ ኣስታት 30 ሰባት ድሕሪ ምቚሳሎም፡ ጠንቂ’ቲ ንምቕሃሙ ብዙሕ ዘጸገመ ባርዕ – ሕቶታት የለዓዕል ኣሎ።

ኣስታት 2,000 ዱኳናትን ናይ ዉዕለት ሸቃጦን ኣብ ዘአንግድ ‘ዕዳጋ ዋሒን’ ዘጋጠመ ባርዕ ንምጥፋኡ ምሉእ መዓልቲ ዝወሰደ ኮይኑ፡ ንመላእ ህዝቢ ከተማ ሃርጌሳ ኣናዊጹ ዝወዓለ እዩ።

ዕዳጋ ዋሒን ንልዕሊ 40 ሚእታዊት ቊጠባዊ ንጥፈታት ከተማ ሃርጌሳ ከምዝዉክል ዝሕብሩ ሰብመዚ እታ ከተማ፡ በቲ ባርዕ ናይ ልዕሊ 200 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ዕንወት ወሪዱ ከምዘሎ ይዛረቡ።

ንጠንቂ’ቲ ባርዕ ዘረጋግጽ እኹል መርትዖ’ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ርእሰ ምምሕዳር ኣቚማ ንምሉእ ነጻነት ናይ እትጓየ ዘላ ሶማሊላንድ ኣካይዳታት ዘይወሓጠሉ መንግስቲ ሶማል ኢድ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ግን ዛዪዱ ኣሎ።

ሶማሊላንድ ፡  ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ማያዊ ገማግማ ወተሃደራዊ መዓስከር ኽድኲን ትዕድም ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ማእከላይ መንግስቲ ሶማል በቲ ጉዳይ ሰጊኡ ይርከብ።  መለሳ ናይቲ መንግስቲ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ክፉት ጌርዎ ዘሎ ዕድመ፡ ኣመሪካ ንምሉእ ነጻነት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ኽትህብ ዝብል እዩ።

ምስፍሕፋሕ ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ጽልዋታት ቻይና ኣብ ምብራቓዊ ገማግማት ኣፍሪቃ ብምምኽናይ ፡ ኣመሪካ ኣብ ማያዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዳዊ ዉቅያኖስን ህላዌኣ ንምዝያድ ትጽዕር ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ሶማሊላንድ ነቲ ክዉንነት ናብ ረብሓኣ ንምቕያር ኽትጽዕት ትርከብ።

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናይ’ዚ ዓመት ናብ ዋሺንግተን ብምምራሕ ምስ ሰብስልጣን ኣመሪካ ከምእተዘራረበ፣ ወደባዊት ከተማ በርበራ ንሰራዊት ኣመሪካ ኽህልዋ ዝኽእል ኣገዳስነት ነቶም ሰብስልጣን ብምብራህ ድማ፣ ኣመሪካ ንነጻነት ሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ እንተሂባ ሰራዊታ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ኪዕስክር ገዚፍ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣነጺሩ እዩ።

ኣብ ህላወ ሓንቲ ሶማል ከምእተኣምን እትገልጽ ኣመሪካ፡  ኣብ ሶማል ሰሪቱ ብዘሎ ጸጥታዊን ዉድቀትን ደሞክራስያዊ ጥፍሽናን ተስፋ ትቖርጽ ከምዘላ ኣይርሳዕን። በንጻሩ፡ ሶማሊላንድ ደሓን ዝኾነ ደሞክራስያዊ ገስጋስ ተመዝግብን ፡ ኣብ ዝሓሸ ርግኣት ትርከብን ብምህላዋ፡ ጠመተ ኣመሪካ ካብታ ኽትዕረ ተጻጊማ ዘላ ዓባይ ሶማል ናብ ሶማሊላንድ ኽዘዙ ተኽእሎታት ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።