ሶማልያዊ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ፣ ንፕረዚደንት ሞሓመድ ኣብዱላሂ መሓምድን ንቀዳምይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለን ንምቕንጻል ዘኽእሉ ስርሒታት ኣብ ምዉዳብ ከምዝርከብ ፣ ሓላፊ ክፍሊ ስለያን ሃገራዊ ድሕነትን እታ ሃገር ኣጠንቂቑ።

እቲ ክፍሊ ኣብ መግለጺኡ ፣ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ዝኾነ ሞሓመድ ማሒር  ነቶም ክልተ መራሕቲ ሶማል ንምቕንጻል ዉዲት ይኣልም ምህላዉ ከተሓሳስብ እንከሎ፣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሞሓመድን ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለን ብዛዕባ እቲ ካብ ክፍሊ ስለያን ሃገራዊ ድሕነትን ሃገሮም ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃቡን።

ኣልሸባብ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ናብ ሰብስልጣናትን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ሶማል ዘነጻጸሩ መጥቃዕታት የዛይድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ንኣባላት ኪሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ቦምብ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ሶማል ብሰንኪ’ቶም ዝዛይዱ ዘለዉ መጥቃዕታት ኣልሸባብ ሓፈሻዊ ምርጫታት እታ ሃገር ይሰናኸል ከምዘሎ ዝገልጽ ኮይኑ፣ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ግና ንትስፉው ደሞክራስያዊ ጉዕዞ ሶማል ይፈታተን ኣሎ ንዝብልኦ ፕረዚደንት ሞሓመድ ኣብዱላሂ መሓምድን ፡ ንመጥቃዕትታት ኣልሸባብ ኣመኽንዩ  ስልጣኑ ከናውሕ ይሓስብ ምህላዉ እየን ዝወቕሳ።

እዋናዊ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፡ ቅዋም እታ ሃገር ብምጥሓስ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዝፍትን ፡ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ብተደጋጋሚ ይናዋሕ ፣  ኣብ ሞንጎ እቲ ፕረዚደንትን ዝተፈላለያ ፖለቲካዉያን ሓይልታትን ድማ ምትፍናን ይዓርግ ከምዘሎ ይግለጽ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ብስም ዞባዊ ምሕዝነትን ጸጥታዊ ሽርክነትን ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት  ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ጥቡቕ ርክብ ካብ ዝምስርት፡ ንኣካይዳታት እቲ መራሒ ጉጅለ ከምዘለዎ እንዳረዓመ፡ ንቁዋምነትን ትካላዉነትን ሶማል ይፈታተን ምህላዉ ይንገር።

እቲ ሶማላዊ ፕረዚደንት ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ክቀራረብ ካብ ዝጅምር – ንስርዓተ-ምርጫ ሶማል ንምቕያር፡ ንጸለዉቲ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት እታ ሃገር ንምድኻም ፡ ከምኡ’ውን ቁዋም እታ ሃገር ንምጥምዛዝ ዝተፈላለዩ ሜላታት ከማሕድር ምጽንሑ እዉን ይግለጽ።