ኲናት፡ ክሊማዊ ለዉጢ ፣ ክብሪ ዋጋታት ነዳዲን ኣእካልን – ንርብዒ ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ናብ ጥሜት ይመርሖ ምህላዉ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ብ 5 ሚያዝያ ሓቢሩ።
ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ኣስታት 346 ሚልዮን ኣፍሪቃዉያን ብሕጽረት መግቢ ይሽገሩ ከምዘለዉ ዘመልከተ እቲ ትካል ፣ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ኣሃዝ ከባቢ 286 ሚልዮን ምንባሩ ብምትሕስሳብ ፡ ብፍላይ ብኲናት ኣብ ዝጽለዋ ዘለዋ ሃገራት ናብ ዓጸቦ ዝቃረብ ኩነታት ይጎልሕ ምህላዉ የረድእ።
ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ዉሽጥን ጎረባብቲ ሃገራትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ብምፍጣር ንሚልዮናት ናብ ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ቀዪሩ ከምዘሎ ዝዘከረ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ተለሚዱ ዘሎ ወተሃደራዊ ዕልዋታትን ነቶም ዕልዋታት ኣሰንዮም ዝመጽኡ ግርጭታትን እዉን ጠንቂ ከቢድ ሕጽረት መግቢን ሰብኣዊ ቅልዉላዉን ይኾኑ ምህላዎም ኣብሪሁ’ሎ።
ደርቂን ግርጭታትን ነዊሕ ዘይተፈልየን ደቡብ-ሱዳንን ሶማልን እዉን እተን ዝኸበደ ሕጽረት መግቢ ጎኒፍወን ዘለዋ ሃገራት እየን። ከባቢ 90 ሚእታዊት መሬት ሶማል ብደርቂ ተጠቒዑ ምህላዉ ከም ኣብነት ዝጠቐሰ ኮሚቴ ቀይሕ-መስቀል፣ እዛ ዓመት ብዘይ ዝኾነ ዝናብ እንተሓሊፋ ፣ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም 1.4 ሚልዮን ሶማላዉያን ቈልዑ ብኸቢድ ሕጽረት መኣዛታት ክጥቅዑ ምዃኖም ይእምት።
ኣብ ሶማል ፣ ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ለካቲት ጥራይ 650,000 ጥሪት ብደርቂ ከምዝሞታ ይግለጽ ።
ኣብ ሱዳን እዉን ፣ ቊጠባዊ ዉድቀት፡ ሕጽረት ዝናብ፡ ኣህጉራዊ ተነጽሎን ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ ዝዓርግ ዘሎ ኲናትን፡ ንዋጋታት መግቢ ኣንሂሩ ንህዝቢ እታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ጥሜት ኪመርሖ ምዃኑ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከተሓሳስባ ቀንየን ኣለዋ።
ኣብ’ተን ብሰደድ ስርናይ ዝፍለጣ ሩስያን ዩክሬንን ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ፣ ዋጋ ስርናይ ካብ’ቲ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይ ዝሓፈለ ዓመት ዝነበረ ዋጋ ናይ 70 ሚእታዊት ወሰኽ ገይሩ ምህላዉ ይሕበር።
ማሕበር ቀይሕ-መስቀል ኣብ መወዳእታ ፡ ማሕበረሰብ ዓለም በቲ ኣብ ዩክሬን ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ተጻቢቡ ንሽግር ኣፍሪቃዉያን ከይርስዕ ጸዊዑ ኣሎ።