ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ገበናት ኲናት ይፍጽም ከምዘሎ ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ኣመሪካን መሓዙታን ናብ ባንክታትን ሰብስልጣንን ሩስያ ዘነጻጸሩ ተወሰኽቲ እገዳታት ንምሕላፍ ይቀራረባ ከምዘለዋ ቤትጽሕፈት ዋይትስ ሃዉስ ብ6 ሚያዝያ ኣብ ዘዉጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቶም ጽባሕ 7 ሚያዝያ ብወግዒ ዝግለጹ ሓደስቲ እገዳታት፣ ክሳብ ኣብ ሩስያ ወፍርታት ከይካየድ ዝደፍኡ ምዃኖም እዉን እቲ ዝወጸ መግለጺ የረድእ።
እቶም እገዳታት ኣብ ፊናንሳዉያን ትካላትን መንግስታዉያን ኣካላትን ሩስያ ቀይድታት ዘጽንዑ ከምዝኾኑ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፣ ንሰብስልጣን ሩስያን ቤተሰቦምን ዒላማ ዝገብሩ እገዳታት ምዃኖም እዉን ጠቒሱ ኣሎ።
ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ዋይትሃዉስ ያን ሳኪ ፣ ኣመሪካ ምስ ጉጅለ-7ን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብምዃን ከተሕልፎም መዲባ ዘላ ተረርቲ እገዳታት ንሩስያ ናብ ዝበኣሰ ቊጠባዊ፣ ፊናንሳዊን ቴክኖሎጂካዊን ተነጽሎ ዝመርሕዋ ከምዝኾኑ እያ ኣተሓሳሲባ ዘላ።
እተን ንልዕሊ 50 ሚእታዊት ቊጠባ ናይ ዓለም ዝዉክላ ሃገራት ሓቢረን መዲበናኦም ዘለዋ ሓደስቲ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝበኣሰ ኪሳራ ኪፈጥር ዝኽእል ይመስል።
ሰራዊት ሩስያ ካብ ገለ ከባቢታት ክተማ ኬቭ ከምዝሰሓበ ድሕሪ ምሕባሩ፣ እቲ ሰራዊት ገበናት ኲናት ይፍጽም ምህላዉ ዘረጋግጹ ህልቂታት ከምእተመዝገቡ፣ ነዚ ተኸቲሉ ድማ ሓያለ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ ቀይዲ ንምግባር ይጓየያ ምህላወን ይፍለጥ። ብፍላይ ቡቻ ኣብ ዝተባህለት ንእሽተይ ከተማ ተሰኒዱ ዘሎ ሰብኣዊ ህልቂት ዘስካሕክሕ ኮይኑ ፣ ካብ’ታ ከተማ ዘዝልቚ ዝነበሩ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ መንገዲ ንዘረኸብዎ ሰብ እንዳረሸኑ ይወጽኡ ምንባሮም እዮም ነበርቲ ዝሕብሩ።
ብዘይካ’ዚ ፡ ሩስያ ኣብ ባይቶ ሰባኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ኣባልነት ክትሕደግ ብኣመሪካ ንዝድፈኣሉ ዘሎ ጻዉዒት ድምጺ ክህብ ፣ ሓፈሻዊ ባህቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጽባሕ ሓሙስ 7 ሚያዝያ ኽጋባእ እዩ።
ጠለብ ኣመሪካ ክልተ ሲሶ ድምጺ ናይ’ቲ 193 ሃገራት ዝኣባላቱ ሓፈሸዊ ባይቶ እንተረኺቡ ፣ ሩስያ ብገዚፍን ዝተራቐቐን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሳ፡ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ መንበር ኪትሕደግ’ያ። ሩስያ ልክዕ ከም ኤርትራ ኣብ’ቲ 47 ዝኣባላቱ ባይቶ ንኻልኣይ እብረ መንበር ኣዉሒሳ ምህላዋ ይፍለጥ።