ወተሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ቡርኪናፋሶ ንናይ ቅድም ፕረዚደንት ሃገሩ ብሌዝ ካምፓዎረ፡ ኣብ ቅትለት ፍሉጥ ሃገራዊ ሓርበኛ ቶማስ ሳንካራ ኢድ ነይርዎ ብዝብል ንሕልፈት ፈሪዱ ኣሎ።

ፕረዚደንት ካምፓዎረ፣  ኣብ ቅትለት’ቲ ኣብ 1987 ኣብ ራብዓይ ዓመት ስልጣኑ፡ ወዲ 37 ዓመት ኣንዳሃለወ ዝተኾልፈ ሰዉራዊ መራሒ ቶማስ ሳንካራ ተሓባቢርካን ፡ መርትዕታት ንምኽዋል ንሬሳ እቲ መራሒ ኪስወር ተሓጋጊዝካን ኣብ ዝብሉ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ ተሪር ፍርዲ በጺሕዎ ዘሎ።

ኣብ እዋን ስልጣን ካምፓዎረ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ዝነበረ ያሲንተ ካፉንዶ እዉን ንተመሳሳሊ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ ተመሳሳሊ ፍርዲ ተቀቢሉ ኣሎ።

ንቡርኪናፋሶ ን27 ዓመታት ብምልኪ ዝመርሐ ካምፓዎረ፡ ኣብ 2014 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምእላዩ ናብ ጎረቤት ሃገር ኣይቮሪኮስት ሃዲሙ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ተዓቚቡ ምህላዉ ይንገር።

ወተሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ቡርኪናፋሶ ፣ ፕረዚደንት ካምፓዎረ ኣብ ዘይተረኽበሉ መጋባእያ ነቲ ፍርዲ ዘሕለፈ ኮይኑ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታዉ ምስ መንግስቲ ኣይቮሪኮስት ብዛዕባ ዝህሉ ጽምዶ ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።

ብቕትለት ቶማስ ሳንካራ ዝተኸሱ ካልኦት 12 ሰባት እዉን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ብዘይ’ካ ነጻ ዝተባህሉ ሰለስተ፡ ዝተረፉ ኣብ ፍርዳዊ መስርሕ ምህላዎም ተፈሊጡ።

“ኣፍሪቃዊ ቸ-ጒቬራ” እንዳተባህለ ዝምጎስ ቶማስ ሳንካራ ፣ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ክሳብ መቕተልቱ ፣ ኣብ ምዉጋድ ብልሹዉና፣ ምዂናን ድሕረ-መግዛእታዊ ጽልዋታት ሃገራት ምዕራብ፣ ምዂስኳስ ርእሰ -ምርኮሳ፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ምምሕያሽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ካልኦት ንረብሓ ህዝቢ ዘቐድሙ መደባትን ኣብነታዊ ስራሕ ከምዝዓመመ ይንገረሉ።

ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቡርኪናፋሶ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ካምፓዎረን የማናይ ኢዱ ዝነበረ በዓልስልጣንን ኣሕሊፍዎ ዘሎ ፍርዲ፣ ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ስልጣንን ግዝያዊ ሓይሊን ኣስኪርዎም ኣብ ምቕታል፡ ምድጓን፡ ምስዋርን ምስቓይን ዜጋታቶም ዝሃልኩ ዘለዉ መራሕቲ ተግባራዊ ምኽሪ ዝልግስ እዩ።