• ቱር ታይላድ 2020፣ መትከል እዮብ 3ይ ደራጃ ሒዙ

ብ6 ሚያዝያ  ኣብ ዝተኻየደ 165km ዝሽፍን 6ይን ናይ መወዳእታ ቱር ታይላንድ 2022፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳምይ ብሽክለታ መትከል እዮብ 3ይ ብምውጻእ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊቡ።

በዚ መሰረት መትከል እዮብ ብዉህሉል ጊዜ ብጫ ማልያ ካብ ዝወነነ ፖላንዳዊ ኣለን ባናዚች 28 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ብ 21:28:20 ራብኣያ ደረጃ ሒዙ ወድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ናይ ዓቐብ 16 ነጥቢ ብምውህላል 3ይ ደረጃ ኪሕዝ እንከሎ፣ ቀጠልያ ማልያ  ንምምንዛዕ ኣብ ዘኽእል ዉህሉል ነጥቢ 13 ብምእካብ መበል 23 ደረጃ ሒዙ።

ወዲ 28 ዓመት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ መትከል እዮብ ቅድሚ ሕጂ ዘመዝገቦ ዝበለጹ ረከርድታት፥

  • ተዓዋቲ መድረኽ ቱር ኢንዶኔዥያ (2019)
  • 2ይ African Continental Championship – Road race(2018)
  • 5X ተዓዋቲ መድረኽ ቱር ሩዋንዳ (2017, 2016, 2015, 2013)
  • 2X 2ይ ናይ ጊዜ (GC) ቱር ሩዋንዳ(2017, 2016)
  • 2ይ ቱር ፊሊፒንስ (2018)
  • 6ይ ኣሚሳ ቦንጎ (2019)
  • 6ይ ቱር ኢንዶኔዥያ (2019)
  • 2ይ ቱር ጃፓን (2019)
  • 4ይ ቱር ታይላንድ (2022)

 

  • ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮፓ፥ ዓወት ማንችስተር ሲቲን ሊቨርፑልን

ብ5 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ርብዒ ፍጻመ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒዮንስ ለግ ኤውሮፓ፡ ማን ሲቲን ሊቨርፑልን ዓወት ኣመዝጊበን። ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ግጥም ፕሬሜየር ሊግ እንግሊዝ ነንሕድሕደን ዝራኸባ እዘን ጎባልል ክለባት፡  ኣብ’ቲ ቀዳማይ እግሪ ኣወድቅካ ምሓላፍ ሻምፒዮንስ ሊግ ዘሰላሰልኦ ግጥም፣ ማን ሲቲ ንኣትሌቲኮ ማድሪድ ዓዲማ ብጸቢብ 1 ብ 0 ክትዕወት’ከላ ሊቨርፑል ብወገና ናብ ሜዳ በነፊካ ተጓዒዛ 3 ብ 1 ብምዕዋት ሓደ እግራ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ኣንቢራ።

ማንችስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ኢትሃድ ኣብ ዘካየደቶ ወሳኒ ግጥም፡ ንመስመር ምክልኻል ኣትሌትኮ ማድሪድ ብቐሊሉ ክትሰብር ኣይከኣለትን። ኣብ ካልኣይ እብረ ግጥም ግን፡ እቲ በዓል ውዕለታኣ ዝኾነ ኬቭን ዲቡሪኔ ጸወታ ክወዳእ 20 ደቒቅ ምስተረፎ ብዘመዝገባ እንኮ ሽቶ ተሓጊዛ ብጸቢብ 1 ብ 0 ተዓዊታ ወጺኣ።

ተቐይሩ ዝኣተወ ፊል ፎደን ነታ ዲብሩኔ ዘመዝገባ ሽቶ ብውህሉል መንገዲ ብሞንጎ እግሪ ተኸላካላይ ኣትሌቲኮ ሬኒልዶ ኣሕሊፍ ብምሃብ፡ ንድፋዕ ሲቲ ኣብምስባር ልዑል ኣበርክቶ ጌሩ።

ድሕሪ’ቲ ግጥም፡ ኣሰልጣኒ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ዲያጎ ሲሞነ ከምዝግለጾ፡ እቲ ውጽኢት ጽቡቕ ከምዘይኮነን ክዕወቱ ኢሎም ከምዝኣትዉ ሓቢሩ። ሲሞነ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ግጥም ኣንጻር ኣዝያ ብልጽቲ ክለብ ከምዝነበረን፡ ኣብ ካልኣይ እግሪ ኣብ ማድሪድ ንኽዕወቱ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑን ወሲኹ ገሊጹ።

ሊቨርፑል ናብ ሜዳ በነፊካ -ሊዝበንስ ስታዲየም ተጓዒዛ ዘካየደቶ ተመሳሳሊ ግጥም’ዉን፡ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ካብ ሉዊስ ዲያዝ ብዝረኸበታ 3ይቲ ሽቶኣ ተሓጊዛ 3 ብ 1 ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ዳርጋ ዘሕልፋ ወጽኢት ኣመዝጊባ።

ኣቀዲመን ዝተቘጽራ ሸቶታት ሊቨርፑል ብኢብራሂማ ኮናቴ ብሴኔጋላዊ ኮኾብ ተጻዋታያ ሰይዶ ማነን ዝተመዝገባ እየን።

ዳርዊን ኑነዝ ከኣ ነታ እንኮ ናይ ቤኔፊካ መጸናንዒት ሽቶ ኣመዝጊቡ። ኑነዝ እታ ድሕሪ ዕረፍት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ፡ ዛጊት ዘካየደን 20 ጸወታታት ዘመዝገበን ሸቶታት እታ መበል 20 ኮይናትሉ ኣላ። ኑነዝ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ጸወታ፡  ኣብ ዓይኒ ዓበይቲ ክለባት ኤወሮፓ ከምዝኣቱ ብዙሓት ሜዲያታ ኪዛረባ ጀሚረን ኣለዋ።