ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ፡ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ናብ ተወለድቲ ትግራይ ዘነጻጸረ ገበናት ምጽናት ዓሌት ከምዝፈጸሙ ተሓለቕቲ ትካላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዘዉጽዎ ሓባራዊ ጸብጻብ ከሲሶም።
እቶም ክልተ ትካላት ኣብ’ቲ ካብ ዉጻእ መዓት፡ ናይ ዓይኒ-መሰኻር፡ ተመዛበልቲን መቕርብ ግዳያትን ዝኣከብዎ ቃላት-ምስክርነት መርኲስ ብምግር ዘውጽእዎ ጸብጻብ፣ ዕጡቓት ጉጅለታት ክልል ኣምሓራን ፍሉይ ሓይሊ እታ ክልልን ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ናብ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነትን ዝቃረቡ በደላት ከምዝፈጸሙ ኣመልኪቶም ኣለዉ።
ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ’ቲ ገበን ኢድ ከምዝሓወሰ እዉን እቲ ሓባራዊ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ።
ፈጻሚ ዳይረክተር ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ኬነት ሮት፣ ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ጀሚሩ፡ ሰብስልጣንን ሓይልታት ጸጥታን ክልል ኣምሓራ፡ ንተወለድቲ ትግራይ ካብ’ቲ ከባቢ ንምርሓቕ ኣብ ጽዑቕ ናይ ምጽናት ዘመተ ከምእተዋፈሩ ዘረድኡ መርትዖታት ከምዘለዉ እዩ ዝገልጽ።
ወሃቢ-ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ጌዛቸዉ ሙሉነህ ድሕሪ እቲ ዝወጸ ሓባራዊ ጸብጻብ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት “ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣዩ” ካብ ምባል ሓሊፉ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ የለን።
ብዘይካ’ዚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዂን ኣቐዲሙ ኣዛዚ ፍሉያት ሓይልታት ኣምሓራ ዝነበረ በዓል ስልጣን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ኪህቡ ንዘቕርበሎም ዘሎ ጻዉዒት ዛጊት ዝኾነ ምላሽ ኣይሃቡን። ኣማሓዳሪ ምዕራባዊ ትግራይ ዘሎ በዓል ስልጣን እዉን ሓበሬታ ወይ ግብረመለሲ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ ኣሎ።
እቲ ምስ መሰኻክር ንዝተኻየዱ 427 ቃለመሕትታት ማእከል ገይሩ ወጽዩ ዘሎ ሓባራዊ ጸብጻብ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ – “ዝኾነ ትግራዋይ ንኸይህሉ” ፣ ኣልመምቲ ቅትለታት ፈጺሞም ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ኣብ’ቲ ከባቢ ቋንቋ ትግርኛ ከይዝረብ ምኽልካሎም እዩ ዝሕብር ።
ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ይፍጸም ነይሩ ዝተባህለ መጽነትቲ ኣብ ምምርማርን ኣብ ምዉጋድን ሓላፍነት ከምዘየረኣየ እዉን ኣቲ ሓባራዊ ጸብጻብ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ሓይልታት ትግራይ’ዉን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ጃማላዊ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽ ብጉጅለ፣ ርስያን ምዕናዉ ህዝባዊ ትካላትን ዝርከብዎም ገበናት ከምዝፈጸሙ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ኣቐድም ኣቢለን በብወገኖም ኣብ ዘካፈልዎ ጸብጻብ ምሕባሮም ኣይርሳዕን።
ህወሓት ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ነቲ ምዕራባዊ ትግራይ ኢሉ ዝሰመዮ ሰፊሕን ስቡሕን መሬቶም ናብ ግዛኣቱ ጸንቢሩ ምጽንሑ ዝኸሱ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽሮም ከምዘሎ ይፍለጥ።