“ኤቨርተን ንላምፓርድ ክትሰጎ ኣለዋ” ኣኒቼቤ
ውሩይ ተኸላኻላይ ኤቨርተንን ፕርሜየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝን ዝነበረ ናይጄሪያዊ ቪክቶር ኣኒቼቤ፡ ኤቨርተን ንኣሰልጣኒኣ ፍራንክ ላምፓርድ ካብ መዝነቱ ክትሰጎ ከምዘለዋ ኣብ ናይትዊተር ሒሳቡ ጽሒፉ። ኤቨርተን ትማሊ ረቡዕ ምሸት ናብ ሜዳ በርንሌይ ተጓዒዛ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 3 ብ 2 ድሕሪ ምስዓራ፡ ካብ ወረድቲ ክለባት ፕሪሜየር ሊግ፡ ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ በሊጻ ብ 25 ነጥብ መበል 17 ደረጃ ትርከብ።
ዝቕጽል ጸወታ ኤቨርትን ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ኢዩ። ነዚ ጸወታ ክትዕወተሉ ምስ ዘይትኽእል ናብ ታሕተዎት 3 ክለባት ክትወርድ ትኽእል ኢያ። ኣኒቼቤ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኤቨርተን ሒዛቶም ዘላ ተጻወቲ ከምኡውን ኣሰልጣኒ፡ ነታ ክለብ ዝበቕዑ ከምዘይኮኑን፡ እታ ጋንታ ንኣሰልጣኒኣ ብቕልጡፍ ሰጒጋ ንሳም ኣላርዳይስ ክትምጽኦ ከምዘለዋ ኣተሓሳሲቡ።
ኤቨርተን ካብ ዘካየደቶም 5 ዝሓለፉ ግጥማታ ኣብ 4 ጸወታታት ክትሰዓር’ከላ ኣብ ሓንቲ ጸወታ ጥራይ ኢያ ተዓዊታ።
ቤንዜማ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ
ኣጥቃዓይ ሃገራዊ ጋንታ ፈረንሳን ክለብ ሪያል ማድሪድን ዝኾነ ካሪም ቤንዜማ፡ ኣብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ፡ ኣብ ተኸታተልቲ ግጥማት ሃትሪክ ዝሰርሐ ብዓል ክብረወሰን ብምዃን ን ክርስትያኖ ሮናልዶ ተጸንቢርዎ። ቤንዜማ፡ ብ6 ሚያዝያ ጋንትኡ ሪያል ማድሪድ ናብ ለንደን ተጓዒዛ ምስ ቸልስ ኣብ ዘካይደቶ ግጥም ብሉጽ ጸወታ ብምርኣይን፡ 3 ሽቶታት ብምቑጻርን ጋንትኡ ኣብ ልዕሊ ቸልሲ 3 ብ 1 ክትዕወት ኣኽኢልዋያ ኢዩ። ብተወሳኺ ቤንዜማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ሃትሪክ ዝሰርሐ እንኮ ተጻዋታይ ተባሂሉ ተጸዊዑ።
ወዲ 34 ዓመት ቤንዜማ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ-ስፓርት፡ ኣዝዩ ዝነኣድ ብቕዓት የርኢ ኣሎ። ካሳብ ሕጂ ካብ ዘካየዶም ብጠቕላላ 36 ግጥማት 37 ሽቶታት ከመዝግብ ክኢሉ እዩ። በዚ ዘለዎ ናህሪ እንተቐጺሉ ድማ ንናይ 2022 ባሎንዲኦርን ካልኦት ክብርታትን ከምዝጭብጥ ሓያለ ወገናት ይሰማማዑ።
ንራውል ጎንዛሌዝ በሊጹ ካልኣይ ናይ ኹሉ-ጊዜ ዝበለጸ ኣመዝጋቢ ሽቶ ሪያል ማድሪድ ንምዃን 8 ሽቶታት ጥራይ ዝተርፍኦ ቤንዜማ፡ ካብ ዘካየዶም 595 ጸወታታት ሪያል ማድሪድ፡ 316 ሽቶታት ኣቑጺሩ ይርኸብ።
ክርድቲያኖ ሮናልዶ 450 ሽቶታት ብምቑጻር ናይ ሪያል ማድሪድ ዝበለጸ ኣምዝጋቢ ሽቶ ምዃን ይፍለጥ።
ብ6 ሚያዝያ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ዝተኻየደ ጸወታ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ’ዉን፡ ባየርን ሙኒክ ናብ ስፓኛ ተጓዒዛ ብ ቭያ ሪያል 1 ብ 0 ተሳዒራ።