ሩስያ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝጸንሓ ኣባልነት ተሓዲጋ ኣላ። ሓፈሻዊ ባይቶ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ 7 ሚያዝያ ኣብ ዘቃነዖ ፍሉይ ኣኼባ፣ ነቲ ብኣመሪካ ክድፈኣሉ ዝጸንሐ ሓሳብ ብናይ 93 ኣባላት ሃገራት ደገፍ ክዉን ገይርዎ ኣሎ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን  24 ሃገራት ነቲ ሓሳብ ዝተቓወማ ኮይነን፡ ዝተረፋ 58 ድማ ድምጸን ዝዓቀባ እየን።

እቲ ብኣመሪካ ክድፈኣሉ ዝጸንሐ ንሩስያ ካብ’ቲ ባይቶ ናይ ምስጓጒ ሓሳብ ኪዕወት ክልተ ሲሶ ድምጺ-ደገፍ  ናይ’ቲ 193 ሃገራት ዝኣባላቱ ሓፈሸዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኽረክብ ነይርዎ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ፣ ሩስያ ብገዚፍን ዝተራቐቐን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተወቒሳ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝጸንሓ  መንበር ተሓዲጋ ኣላ።

ሩስያ ልክዕ ከም ኤርትራ ኣብ’ቲ 47 ዝኣባላቱ ባይቶ ንኻልኣይ እብረ መንበር ኣዉሒሳ ዝጸንሐት እያ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዩክሬን ድሕሪ’ቲ ዉጽኢት፣ “ ገበነኛታት ኲናት ኣብ’ቶም ሰብኣዊ መሰላት ኣህዛብ ኪሕልዉ ዝነጥፉ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቦታ የብሎምን” ክብል ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳብ ብምጽሓፍ ፡ ነተን ነቲ ዓወት ክዉን ዝገበራ ኣባላት ሃገራት ሞጊሱ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ጎደናታት ከተማ ቡቻ ናይ ናይ ዩክሬን ዝተጋህደ ኣሰቃቒ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት ፣ ሩስያ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኪትስገግ ኣለዋ ዝብል ብኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ንዝቐረበ ጠለብ እዩ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣጽዲቚ ዘሎ።

በዚ ድማ ሩስያ እታ ኣባልነት ናይ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመንዘዓ እንኮ ቀዋሚት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኮይና ኣላ። ሓፈሻዊ ባይቶ ፣ ድሕሪ ምዕላዉ ፕረዚደንት ሞዓመር ጋዳፊ ብዝዓረገ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ተደሪኹ ኣብ 2011 ንኣባልነት ሊብያ ኣብ ባይቶ ሰባኣዊ መሰላት ምስራዙ ይዝከር።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፣ ኣብ ዩክሬን ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ገበናት እትምርምር ነጻ ኮሚሽን ክትቀዉም ብዝለዓለ ድምጺ ምዉሳኑ’ዉን ኣይርሳዕን።

ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ እዛ ዕለት ኣዚኣ ንሩስያ ኣነጻጺሮም ኣብ ዝተቓንዑ ኩሎም ኣኼባታት ውድብ ሕቡራት ሃገርት፡ ገና ጸግዒ ሩስያ ሒዙ ይቕጽል ኣሎ።