ብዘይ’ካ እተን ቅድሚ ሰሙን መግቢን መድሃኒት ጽዒነን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ 20 መካይን፣ ዛጊት ዝሰዓበ ተወሳኺ ረዲኤት ከምዘየለ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ሓቢሩ።
ኣቶ ጌታቸዉ፣ ብጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጒታሬዝ ንዝወጸ – ረዲኤትን ነዳዲን ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይን ዓፋርን ይኣትዋ ምህላወን ዝሕብር – ኣመጓሲ መልእኽቲ ግብረመልሲ ንምሃብ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፣ ኣንቶኒዮ ጒታሬዝ ንመብጸዓታት መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተዘይኮኑ ፡ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቂ የስተብህለሉ ከምዘየለ ወቒሱ ኣሎ።
ተወሳኺ ረድኤት ናብ ትግራይ ዘይግዕዘሉ ዘሎ ምኽንያት’ኳ እንተዘይተፈልጠ ፣ ምስ’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ገለ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኪወጽኡ ብተደጋጋሚ ዝገብሮ ዘሎ ጻዉዒት ምትሕሓዝ ክህልዎ ከምዝኽእል ግን ይግመት።
ሚኒስተር መንግስታዊ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ለገሰ ትሉ ብ5 ሚያዝያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ፡ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ህዝቢ ክልል ትግራይ ንምዝላቕ ዝወሰዶ መርገጺ ብተግባር ይምስከር ከምዘሎ ጠቒሱ ፡ ህዝቢን ሰራዊትን ክልል ዓፋር ነቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝበጽሖም ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕትታት ከየሳበቡ ፡ ናብ ትግራይ ንዝኣቱ ዘሎ ረዲኤት ከተዓናቕፉ ዘይ-ምምራጾም ብምምስጋን ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ኪወጹ ጸዊዕ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣዊጅዎ ዘሎ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ቀጻልነት ኪህልዎ ፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ጠቕሊሎም ኪወጹ ብተደጋጋሚ ይጽዉዕ ከምዘሎ ይፍለጥ።
እቲ ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ኣዋጅ ተግባራዊ ኪኸዉን ካብ ዝጅምር፣ ሓያለ ኣህጉራዉያን ትካላት ረዲኤት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከቕርባ ጀሚረን ከምዘላዋ እዉን ኮሚሽን ቊጽጽር ባህርያዊ ሓደጋታት እታ ሃገር ይገልጽ።