መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብ6 ሚያዝያ፡ ብኽልተ ተሓለቕቲ ትካላት ማለት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ዝወጸ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ “ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ተጋሩ ብሓይልታት ኣምሓራ ገበናት ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ” ኢሉ ዝኸስስ ሓባራዊ ጸብጻብ ፡ ብጥንቃቐ ክምርምሮ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ጸብጻብ ወገናዊ ዘምስሎ ብዙሕ ሃጓፋት ከምዘለዎን፡ ተኣፈፍቲ ፖለቲካዊ ሕቶታት ዘገማድሐ ምዃኑን ዝጠቐሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ንኢንታታት እቲ ጸብጻብ ጎስዩ ብዛዕባ እቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ዘለዉ ገበናት ብጥንቃቐ ከረጋግጽ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

እቶም ትካላት ንዉሽጣዊ ምሕደራ ዶባት ፣ ተነቀፍቲ ፖለቲካዊ ለዉጥታት፣ ከምኡ’ዉን ንሰላም ጸጥታን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ደፊሮም ዘቐረብዎ ትዕዝብትታትን ክስታትን ፣ ብተጻረርቲ ወገናት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ኣብ ጥቕሚ ኪዉዕሉ ከምዝኽእሉ ከየተስተብሃሉ ነቲ ጸብጻብ ምዝርጋሖም ዝወቐሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቲ ስጒምቲ ንዝበጋገሱ ዘለዉ ጻዕርታት ሰላም ብኣሉታ ዝጸሉ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፣ እቲ ሓባራዊ ጸብጻብ ንሓደ ጉጅለ ምሉእ ግዳይ ነቲ ሓደ ድማ ፍጹም ገበነኛ ዘምስል፡ ንመጻኢ ዕርቅን ብሓባር ናይ ምንባር ቅሩብነት ኣህዛብን ዝኾልፍ ኣሰይጣኒ ላዛ ዝወረሮ ምዃኑ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።

ተፈጺሞም ዝተባህሉ ገበናት ንምርግጋጽ በቶም ክልተ ትካላት ዝተቓንዐ መስርሕ ሚዛናዊ ከምዘይነበረ፣ መንግስቲ ግና ንድኻማት እቲ ጸብጻብ ከየመኽነየ፣ ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበን ንምርግጋጽ ብመንገዲ’ታ  ግህሰታት ሰባኣዊ መሰላት ኣብ ምጽጻይ ኪትነጥፍ ኣዉፊሩዋ ዝርከብ ሓይሊ ዕማም መርመራታት ኸካይድ ምዃኑ እዩ እቲ ወግዓዊ መግለጺ ዘረድእ።

ሓባራዊ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ትካል ሓለዋ ሰባኣዊ መሰላትን፣ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ተኣዊጁ ረዲኤት ናብ ትግራይ ኪኣቱ ካብ ዝጅምር መዓልታት ኣቚጺሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን’ዩ ወጽዩ ዘሎ።

እቲ ምስ መሰኻክር ንዝተኻየዱ 427 ቃለመሕትታት ማእከል ገይሩ ወጽዩ ዘሎ ሓባራዊ ጸብጻብ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ – “ዝኾነ ትግራዋይ ንኸይህሉ” ፣ ኣልመምቲ ቅትለታት ፈጺሞም ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ኣብ’ቲ ከባቢ ቋንቋ ትግርኛ ከይዝረብ ምኽልካሎም እዩ ዝሕብር ።

ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ይፍጸም ነይሩ ዝተባህለ መጽነትቲ ኣብ ምምርማርን ኣብ ምዉጋድን ሓላፍነት ከምዘየረኣየ እዉን ኣቲ ሓባራዊ ጸብጻብ ኣተሓሳሲቡ እዩ።

ህወሓት ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ነቲ ምዕራባዊ ትግራይ ኢሉ ዝሰመዮ ሰፊሕን ስቡሕን መሬቶም ናብ ግዛኣቱ ጸንቢሩ ምጽንሑ ዝኸሱ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽሮም ከምዘሎ ይፍለጥ።