ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ ምስ ሱልጣን ራሓይታ ዓብዱልቃዲር ዳኡድ ብምዃን ናብ ከተማ ሰመራ ናይ ክልል ዓፋር ከምዝበጽሑ፡ ምንጭታት ኤሪሳት ኣረጋጊጾም።

ኣብ’ቲ ምብጻሕ ፣ ምስ ዓበይቲ ዓዲን ሰብስልጣንን ክልል ዓፋር ክራኸቡ ምቕናዮም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ መሰረታዊ ዕላማ እቶም ርክባት ፡ ካብ ትግራይ ንዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕትታት ዝከላኸሉ ዘለዉ ሓይልታት ዓፋር ፡ ካብ ህግደፍ ኪረኽብዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ  ወተሃደራዊን ሎጂስቲካዊን ሓገዛት ንምዝርራብ  ምንባሩ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።

ከም ሓይልታት ኣምሓራ ፣ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጠሊምና ዝብል ርድኢት ሒዞም ዘለዉ ሓይልታት ክልል ዓፋር፡ ነቲ ካብ ክልል ትግራይ ዝበጽሖም ዘሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምብዳህ ይጻገሙ ምህላዎም እዩ ኪሕበር ጸኒሑ። ህግደፍ ነዚ ዝመዝመ ይመስል ድማ ፣ ልክዕ ከምቲ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ዘደላድሎ ዘሎ ዝምድና ፡ ኣብ ክልል ዓፋር እዉን ተምሳሳሊ ሽርክነት ከዉሕስ ይሰርሕ ኣሎ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ቊጠባዊን ሎጂስቲካዊን ጸቕጥታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገላጊሎም ምስኡ ንኽዉግኑ ብተግባር ይዋሳእ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።

ተወሰኽቲ ሰራዊት ምዕላም፣ ወተሃደራዊ ስንቂ ምዉሓስ ፣ ዝተመስጠረ ሓባራዊ እዚ ምቛም፣  ከምኡ’ዉን ገንዘባዊ ሓገዝ ምርግጋጽ – ዝገዘፉ ካብቶም ህግደፍ ንሓይልታት ክልል ኣምሓራ ተመባጺዑ ከተግብሮም ጀሚሩ ዘሎ ደገፋት’ዩም።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ልዑል ቊጽሪ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ደቡባዊ ጫፋት ጋሽ-ባርካ እንዳሰልጠነ ነቲ ኣብ ወልቃይት ሰሪቱ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ክልል ኣምሓራ ንምድልዳል ይጓየ፣ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ከምዝተኻሕዱ ንምእማን ድማ ዉሽጣዊ ዘመተታት የካይድ ምህላዉ ምግላጽና እዉን ኣይርሳዕን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ማሕበረሰብ ምዕራባዊ ዓለም ዘመዝግቦ ዘሎ ቅልጡፍ ምምሕያሽ ዝምድናታት፡ ከምኡ’ዉን  ኲናት ሕድሕድ ሃገሩ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ዝጎየሉ ዘሎ መርገጺ  ፡ ነቲ  ኣብ ዘይናቱ ኲናት ዓብላሊ ተራ ዝጸንሖ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኪጓነ ገይሮም እዮም።

ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ከዳቕቘም ተሊሙ ዝነበረ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ምዕራፉ ከይበጽሐ  ፡ እቲ ኲናት ሰለማዊ ፍታሕ ክርከበሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዉሰዱ ዘለዉ ኣተባባዕቲ ስጒምትታት ንመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኪኣቱን ፡ ምስ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ዝጸንሖ ኪዳን ይብትኽ ከምዘሎ ኽግንዘብን ጌሩ ኣሎ።

ብኣካይዳታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ዘይዕጉብነትን ቊጥዐን ኣሕዲሮም ዘለዉ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ እዉን ፡ ነቲ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ጸወታታት ሃገሮም ብምግምጋም፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኪዳኖም ከሐድሱ ከምዝመረጹ ተሓቢሩ እዩ።