ደጋፊ ሃመርስ ናብ ሜዳ ብምእታዉ፡ ንኣሰልጣኒ ዴቪድ ሞየስ ኣቘጢዑ
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ኤውሮጳ ሊግ፡ እንግሊዛዊት ክለብ ዌስትሃም ን ፈረንሳዊት ክለብ ሊዮን ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ ማዕረ 1 ብ 1 ተፈላልያ። ቅድሚ ዕረፍቲ ምውጽኦም ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ናይ ጸጋም ተኸላኻላያ ኣሮን ክርስዌል ብቀይሕ ዝወጻ ዌስትሃም፡ ብ ዓሰርተ ተጻወቲ ጸወታኣ ክትዛዝም ተግዲዳ ኔራ። ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 52 ደቒቕ ብ ጃሮድ ቦወን ተሓጊዛ ዌስትሃም መሪሕነት’ኳ እንተሓዘት፡ ሊዮን ድሕሪ 12 ደቒቕ ኣብ መበል 66 ደቒቕ ብመንገዲ ዶምበለ ክትመዓራረ ክኢላ ኢያ።
ኣብቲ ግጥም ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ጸወታ ክውዳእ ውሑዳት ደቓይቕ ምስተረፎ ሓደ ደጋፊ ‘ሃመርስ’ ናብ መጻወቲ ሜዳ ሰሊኹ ብምእታው፡ ዌስትሃም ምናልባት መዐወቲት ሸቶ እትረኽበሉ ዕድል ከይተጠቀመትላ ጸወታ ተቛሪጹ። ብደሕሪ’ዚ ክልቲአን ጋንታታት ሸቶ ከመዝግባ ኣይከኣላን፡ ጸወታ ማዕረ 1 ብ 1 ተዛዚሙ።
ዌስትሃም ድሕሪ 41 ዓመታት ንመጀመሪያ ጊዜ እያ ዝዓበየ ናይ ርብዒ ፍጻመ ኤውሮጳ ግጥማት ተካይድ ዘላ።
ኣሰልጣኒ ጋንታ ዌስትሃም ዴቪድ ሞየስ ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ሸቶ ነበዝግበሉ ኣጋጣሚ ፈጢርና ኔርና፡ እንታይ’ሞ፡ ብሰንኪ ሓደ ዓሻ ዓቢ ዕድል ሓሊፉና – እዚ ሕጂ ደጋፊ ዌስትሃም ዲዩ ክበሃል? “ ኢሉ ብሕርቃን ተዛሪቡ።
ሊቨርፑል ናብ ሜዳ ኢትሃድ ከይዳ ወሳኒ ግጥም ክተካይድ እያ
ጀርገን ክሎፕ፡ ሊቨርፑል ዝመጽእ ሰንበት 10 ሚያዚያ ኣብ ሜዳ ኢትሃድ ናይ ማንቸስተር ሲቲ እትገብሮ ወሳኒ ግጥም፡ ካብ ክልቲአን ክለባት ነቲ ጸወታ ዝሰዓረት፡ ናይ ዓመተ-ስፖርት 2021/22 ዋንጫ እተወስድ ክለብ ኢያ ኢሉ ከምዘይሓስብ ገሊጹ። ጀርገን ክሎፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣሰልጣኒ ክለብ ማን-ሲቲ ፔፕ ጋርዲዮላ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ናይ ዓለምና ዝበለጸ ኣሰልጣኒ ኢዩ ክብል ወዲስዎ።
ክልቲአን ጎባልል ክለባት ዓዲ-እንግሊዝ 8 ጸወታታ ኣብ ዝተረፎ ናይዚ ዓመተ-ስፖርት ኣብ ሜዳ ኢትሃድ ዝገብርኦ ጸዋታ ህልኽ ዝመልኦ ከይኮነ ኣይተርፍን። ክልቲአን ክለባት ዘርእዮኦ ዘለዋ ብቕዓት ጸወታ፡ ኣዝዩ መሳጥን ኣዘናጋዕን ጌርዎ ይርከብ። ናይ ዝመጽእ ሰንበት ናይ ፕሪሜየር ሊግ ጸወታ ገዲፍካ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ናይ FA-CAP ግጥማተን’ውን ደጊመን ክራኸባ ኢየን። ሊቨርፖል ካብ ማንችስተር ሲት ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ድሒራ ብ 72 ነጥቢ ኣብ 2ይ ደረጃ ትርከብ። ሊቨርፑል ካብተን ዝሓለፋ 10 ጸወታታት ፕርሚየር ሊግ ኣብ ኩሉ ጸወታታት ተዓዊታ እያ ናብ ኢትሃድ ተምርሕ ዘላ። ነቲ ጸወታ ክትዕወተሉ ምስትኽእል ን ማን-ሲቲ ብ 2 ነጥቢ በሊጻ ቀዳመይቲ ክትኸውን ኢያ።