ሓይልታት ክልል ትግራይ ንዋሕዚ ረዲኤት ናብ’ታ ክልል የተዓናቕጹ ኣለዉ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ። ወሃቢ-ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብ7 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ተበጋጊሱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ናብ ተጸበይቱ ከይበጽሕ ዕንቅፋት ይኾኑ ምህላዎም ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኽቕጽሎን ንሰላማዊ ፍታሕ ክዛተን ድሉው ምህላዉ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ዲና፣ ሓይልታት ትግራይ ግን ነቲ ድሉውነት ይጻብእዎ ከምዘለዉ እዩ ከሲሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መግቢን መድሃኒትን ዝጸዓና መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ብመንገዲ ዓፋር ናብ ክልል ትግራይ ምብጻሐን ዘዘኻኸረ እቲ ኣምባሳደር፣ ብሓይልታት ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ዕንቅፋት ደዉ እንተይሉ መንግስቲ ምስዳድ ሰብኣዊ ሓገዝ ኪቕጽሎ ቅሩብ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።

ብዘይ’ካ እተን ቅድሚ ሰሙን መግቢን መድሃኒት ጽዒነን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ 20 መካይን፣ ዛጊት ዝሰዓበ ተወሳኺ ረዲኤት ከምዘየለ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ቅድሚ መግለጺ ኣምባሳደር ዲና ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ኣቶ ጌታቸዉ፣ ብጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጒታሬዝ ንዝወጸ – ረዲኤትን ነዳዲን ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይን ዓፋርን ይኣትዋ ምህላወን ዝሕብር – ኣመጓሲ መልእኽቲ ግብረመልሲ ንምሃብ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ’ዩ ፡ ድሕሪ እቲ ናይ መጅመርያ ቃፍላይ ረድኤት ናብ ትግራይ ዘምርሐ ተወሳኺ ሓገዝ ዘይምህላዉ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ትግራይን ኣብ ከምዚ ዝበለ ምክሳስ ምሽማሞም፡ ንቀጻልነት እቲ ንስለ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣዊጁ ዝጸንሐ ምቊራጽ ተጻብኦ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣዊጅዎ ዘሎ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ቀጻልነት ኪህልዎ ፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ጠቕሊሎም ኪወጹ ብተደጋጋሚ ይጽዉዕ ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ።