አርሊንግ ሃላንድ ጻውዒት ማንቸስተር ዮናይተድ ከምዝነጸጎ ተሓቢሩ። ወዲ 21 ዓመት ኖርዌጃዊ ጉልቡት ኣጥቃዓይ፡ መጻኢኡ ኣብ “ኦልድ ትራፎርድ” ክኸውን ዘይመረጸሉ ምኽንያት፡ ምስ ማን-ዩናይትድ ኮይኑ ሕልምታቱ ከሳኽዕ ስለዘጸግሞ ከምዝኾነ ወኪሉ ብግልጺ ነታ ክለብ ኣረዲኡ።

ናይ መፍረሲ ውዕሉ 63 ሚሊዮን ፓውንድ ዝበጽሕ ሃላንድ፡ ኣብ ዓይኒ ዓበይቲ ክለባት ኤውሮፓ ክኣቱ ዝኸኣለ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብታ ጀርመናዊት ክለብ ቦሩሽያ ዶርትሙንድ ካብ ዝጽንበር፡ ካብ ዘካየዶም 83 ጸወታታት 80 ሽቶታት ስለዘመዝገበ ኢዩ።

ህብብቲ ጋዜጣ “ስፓርት ሜይል” ከምዝገለጸቶ፡ ማንቸስተር ሲቲ  ንአርሊንግ ሃላንድ ዝለዓለ ተኸፋሊ ተጸዋታይ ዓዲ-እንግሊዝ ክትገብሮ ከምዝሓሰበትን ንዕኡ ንምፍራም ዝለዓለ ዕድል ከምዘለዋ ሓቢራ። ማንቸስተር ዩናይትድ ብመንገዲ ናይ ዝሓለፈ ኣሰልጣኒኣ ዝነበረ ኦሌ-ጉናር ሶልሻየር ተደጋጋሚ ምስቲ ተጸዋታይ ርክብ ትገብር ከምዝነበረትን፡ እንተኾነ ክሰልጣ ከምዘይከኣለ ይፍለጥ። “ዘ-ሬድ ዴቪልስ”፡ ኣዝዩ ልዑል ደሞዝን ብዕሊ ዘይተፈልጡ ቡዙሕ ጥቅምታትን ዋላኳ ቀሪባትሉ እንተነበረት፡ ሃላንድ ልዕሊግንዛባዊ ጥቅምታት ኣካይዳን ኣመሓድራን ክለባት ቀዳምነት ከምዝህቦ እዩ እቲ ወኪሉ ዝሕብር።

ካብተን ብቀዳምነት ን ኤርሊንግ ሃላንድ ዝጥምትኦ ዘለዋ ስጳኛዊቲ ክለብ ሪያል ማድሪድን እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲን እየን። እዘን ክለባት ብጀካ ኣብ ናይ ሃገረን ሊግ ጸወታታት፡ ኣብ ሻንፒዮንስ ሊግውን ኣዝየን ብሉጽ ወጽኢት የርእያ ስለዘለዋ፡ ነዚተጸዋታይ ናይ ምፍራም ዝለዓለ ኢድ ከምዘለወን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ብተወሳኺ እዚ ወዲ 21 ዓመት ተጸዋታይ፡ ምስ ፔፕ ጋርድዮላ ክጻወት ኣዝዩ ከምዝተሃንጠየን፡ ኣብ መጻኢ ካብኡ ብዙሕ ተመክሮ ክቀስምን ነብሱ ከማዕብልን ከምዝደሊ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓዳሪ ክለብ ቦሩሺያ ዶርትሙን ሃንስ ጆሺም ኣብዝሃቦ መግለጺ “ማን-ሲቲ እትቕርቦ ጠለብ ምናልባትውን ከየሰማምዓና ይኽእል ኢዩ፡ ዝተፈላለዩ ሜዲያታት ብዛዕባ ዕድጊ ሃላንድ ዝዛረብዎ ኣሰልችዩኒ ኢዩ፡ ገና ካብዚ ተጻዋታይ ዝሰማዕናዮ ነገር የለን፡ እንተኾነ ማንቸስተር ሲቲ እቲ ዝግብኦ መጠን ገንዘብ ሒዛ እንተመጺኣ ንሃላንድ ኣብ ዶርትሙን ክነጽንሖ ኣይንኽእልን ኢና ” ኢሉ።

ብዛዕባ ክፍሊትን ካልኦት ወልቃዊ ረብሓታት እዚ ተጸዋታይ ሓፈሻዊ ስምምዕ ዝገበረት ማንቸስተር ሲቲ፡ 500,000 ሰሙናዊ ደሞዝ ቀሪባትሉ ኣላ።

እዚ ከምዚ እንከሎ ዶርትሙንድ ትማሊ ናብ ሜዳ ስቱትጋርት ከይዳ ኣብ ዝካየደቶ ጸወታ፡ ጆኣን ብራንት ኣብ መበል 12ን 71 ደቒቕ ብዘመዝገበን  ክለተ ሽቶታት ተሓጊዛ 2 ብ 0 ተዓዊታ።