ማን-ዩናይትድ ሕጂውን ኣይሰለጣን
መበል 17 ደረጃ ሒዛ ዝቐነይትን ብሕማቕ ቁመናኣ ትሳቐ ዘላን ኤቨርተን ንማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ጉዲሰን ፓርክ ዓዲማ ዘካየደቶ ግጥም፡ ብመንገዲ ወዲ 21 ዓመት ተጻወታያ ሓንቲ ጎል ተሓጊዛ ብጸቢብ 1 ብ 0 ተዓዊታ ወጺኣ።
ማን ዩናይትድ ኣብዚ ዓመተ-ስፖርት ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ጸወታኣ ክትዛዝም እትገብሮ ቃልሲ ሕጂውን መኻልፍ የጋጥማ ኣሎ። ኣጥቃዒ ማን-ዩናይትድ ራሽፎርድ ዝነኣሰ ተጸዋታ 200 ፕሪሚየር ሊግ ጸወታታት ዘካየደ ተጸዋታይ ትባሂሉ ኣብ ዝተጸወዓሉ ጸወታ፡ ክለተ ሓደገኛ ፈተነታት ኣካይዱ፡ እንተኾነ ብ ሓላው ልዳት ኤቨርተን ጆርዳን ፒክፎርድ ፈሺለን።
ንኣሰልጣኒኣ ራልፍ ራንግሊክ ናይ ምቕያር መደብ ዘለዋ ማን ዩናይትድ፡ ጽቡቕ ጸወታ’ኳ እንተኣርኣየት ሽቶ ግን ክሰልጣ ኣይከኣለን፣ ብፍላይ ሮናልዶ ኣብ መወዳእታ ደቃይቕ ዝፈተና ኣዝያ ጽብቕቲ ፈተነ፡ ሓንቲ ነጥቢ ሒዛ ክትምለስ ዘኽእላ ዕድል ኢያ ኔራ።
ድሕሪዚ ውጽኢት፡ ደግፍቲ “ዘ ሬድ ዴቪልስ” ዓቢ ሻቕሎት ኮይኑዎም ዘሎ ጉዳይ ክርስትያኖ ሮናልዶ ኢዩ።
ኣብታ ክለብ ይጸንሕ’ዶ ይኸውን? ዝብል ሻቕሎት።
ኒውካስትል ተዓዊታ
ትማሊ ምሸት ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ንዎልቭስ ዓዲማ ጸወታኣ ዘካየደት ኒውካስል ዩናይትድ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 72 ደቒቕ ብመንገዲ ፍጹም ቅላዕ ካብ ክሪስ ዉድ ዝረኸበታ እንኮ ሽቶ ተሓጊዛ 1 ብ 0 ተዓዊታ።
ዝሓለፈ ሰሙን ብቶተንሃም ሆትስፐር 5 ብ 1 ብገፊሕ ዝተሳዕረት ኒውካስትል፡ ካብ ናብ ታሕታዋይ ሊግ እንግሊዝ ዝወርዳ ታሕተዎት 3 ክለባት ብ 10 ነጥቢ በሊጻ፡ ብ 34 ነጥቢ መበል 14 ደረጃ ትርከብ።