ኤርትራዊ-ስዊዘርላንዳዊ ተቐዳዳማይ ማራቶን ታደሰ ኣብራሃም ሎሚ 10 ሚያዝያ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ “ዙሪክ-ማራቶን” ብ 2:06:38 ጊዜ ብምምዝጋብ ቀዳማይ ወጺኡ።
ወዲ 39 ዓመት ታደሰ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ነቲ ናይ ቅድሚ 9 ዓመት ናይ ገዛ ርእሱ ናይ ስዊዝ ክብረ-ወሰን ብ 1 ደቒቅን 7 ሰከንድ ብምምሕያሽ፡ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ። ኣብ’ቲ ቅድድም፣ ብሩንዲያዊ ኦሊቨር ኢራባሩታ ካልኣይ ፡ ኬኒያዊ ፍራንሲ ቺሪዮት ድማ ሳልሳይ ኮይኖም ወድድሮም ዛዚሞም።
ታደሰ ኣብራሃም ኣብ 2015 “ዎርልድ ሻምፒዮንሺፕ” ኣብ ቤጂንግ ማራቶን ተሳቲፉ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ 2016 ኣብ “ሪዮ ሳመር ኦሎምፒክስ” ማራቶን ተሳቲፉ 7 ደረጃ፡ ኣብ ሆላንድ ኣምስተርዳም “ኢውሮፕያን ቻምፒዮንሺፕ” ፍርቂ ማራቶን ወርቂ መዳሊያ፡ ከምኡውን ኣብ ደቡብ ኮሪያ “ሲውን ኢንተርናሽናል ማራቶን” ብ ቪክቶር ሮትሊን ተታሒዙ ዝነበረ ሃገራዊ ክብረ-ወሰን ስዊዘርላንድ ብ 2፡06፡40 ጊዜ ሰይሩ እዩ።