ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR፣ ነቲ ኣብ ሓድሽ መዓስከር ኣለምዋጭ ናይ ከባቢ ዳባት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዕጡቓት ዝተፈጸም ብረታዊ መጥቃዕቲ ኣረጋጊጹ።

ወሃቢት-ቃል እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ  ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ፌይስ ኪሲንጋ ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፣ ኣባላት UNHCR ናብ’ቲ መዓስከር ድሕሪ ምብጻሕ ፡ ብዛዕባ እቲ ን8 ኤርትራዉያን ዘቚሰለ ብረታዊ መጥቃዕቲ ርጉጽ ሓበሬታ ምርካቦም ኣረዲኣ ኣላ።

ምስ ኣባላት ኢትዮጵያዊ በዓል-መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ብምዃን ናብ’ቲ መዓስከር ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት UNHCR፣ ንእዋናዊ ኩነታት ኤርትራዉያን ኣብቲ መዓስከርን፡ ብዛዕባ ክመሓየሹ ዝድለዩ ነገራትን ከምእተዘራረቡ እዉን እታ ወሃቢት-ቃል ትጠቅስ።

ኩነታት እቶም ግዳያት ብረታዊ መጥቃዕቲ  ይመሓየሽ ከምዘሎ እዉን ተዛሪባ ኣላ።

መንነት ናይ’ቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ዕጡቓት ብዝምልከት ዛጊት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘየለ ዝገለጸት እታ ወሃቢት ቃል፡ ፖሊስ ዳባት ነቲ ፍጻሜን ፈጸምቱን ኣብ ምጽራይ ምህላዎም ሓቢራ።

እቲ ብረታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሰዓታት ኣጋምሸት ናይ 2 ሚያዝያ ከምዘጋጠመ ዝዝከር ኮይኑ፣ በቲ ስጒምቲ ዝቖሰሉ ግዳያት ሻቡ ናብ ሆስፒታላት ጎንደርን ደባርቅን ከምዘምርሑ ፣ ክልተ ካብቶም ግዳያት ድማ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ምንባሮም ተሓቢሩ እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡  ካብ’ተን ኣቐዲመን ዝዓነዋ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ተበታቲኖም ናብ ከባቢታት ጎንደር ንዝወሓዙን፡ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝሳቐዩ ንዘለዉን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምዕቋብ፡ ካብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2021 ነቲ ሓድሽ መዓስከር ክሃንጽ ከምዝጀመረ ይዝከር።

ኢትዮጵያዊ በዓል-መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ARRA ምስ ላዕለዋይ ተጽዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ መግቢ ዓለምን ካልኦት ናይ ግብረሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ነቲ ሓድሽ መዓስከር ከደላድል ድሕሪ ምጽናሕ እዉን፣ ዝሓለፈ 22 ለካቲት ኣስታት 1,400 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ምቕባሉ ይፍለጥ።

ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ናይ ደባት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሽግር ምህላዎምን፡  ነበርቲ ዳባት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጽለኣት ኣሕዲሮም ከምዘለዉን፡  ኣብ’ቲ ሓድሽ መዓስከር ዝነብር ኤርትራዊ ምስ ተለቪዥን ኤሪሳት ኣብ ዘካየዶ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ምሕባሩ ይዝከር።