ሩስያ ደጊም ንዘተ ሰላም ክትብል ኣብ ዩክሬን ጀሚራቶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ደዉ ከምዘይተብል ኣብ ትገልጸሉ ዘላ እዋን፣ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሊድሚር ዘለንስኪ – ሰራዊት ሩስያ ንዝሰፍሐ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ይተኣኻኸብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ክፍሊ ስለያ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዉን ፡ ሓይልታት ዩክሬን ኣብ ምብራቓዊ ከባቢታት ሃገሮም ካብ ሰራዊት ሩስያ ኪፍኖዉ ጀሚሮም ካብ ዘለዉ ሓደስቲ መጥቃዕትታት ንገለ ከምዝበድሁ ሓቢሩ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ፣ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ዩክሬን ተቘጻጺሮምዎ ንዘለዉ ከባቢታት ኣገዳሲት መላግቦ ዝኾነት ወደባዊት ከተማ ማሪያፖል ንምቊጽጻር ወፊሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ፡ ኣብ ቱርኪ ኪካየድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ብወገን መንግስቲ ዩክሬን ምድሕርሓራት ስለዝበዝሐ፣ ክሳብ እቲ ሩስያ ስምምዕ ሰላም ክህሉ እንተኾይኑ ክትግበሩ ትጠልቦም ነጥብታት ተቀባልነት ዝረኽቡ ፡ ወተሃደራዊ ስርሒት ሃገሩ ኣብ ዩክሬን ደዉ ክብል ከምዘይኮነ ብወግዒ ገሊጹ እዩ።

“ነቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ደዉ ዘብል ምኽንያት የብልናን” ዝበለ እቲ ሩስያዊ ሚኒስተር፣ መንግስቱ ከም’ቲ ንዘተ ሰላም ባይታ ኪህብ ክብል ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ለካቲት ዝወሰዶ ምዉንዛፍ ተጻብኦ ኽደግም ከምዘይኮነ እዩ ኣነጺሩ።

ወራር ሩስያ ፡ ዛጊት ንልዕሊ ሓደ ርብዒ ናይ’ታ 44 ሚልዮን ዝህዝባ ዩክሬን ኣመዛቡሉን ፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ወሲዱን ምህላዉ ይፍለጥ።