ብ 10 ሚያዝያ ዝጀመረ “ዙር ቱርኪ” ቅድድም ብሽክሌታ፡ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ዳዊቲ የማነ ካብ ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተ ኣውስትራሊያዊ ካሌብ ኢዋን፡ 12 ካልኢት ጥራይ ደንጉዩ፡ መበል 82 ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ።

ዙር ቱርኪ 2022፡ 25 ጋንታታት ዘሳትፍ ኮይኑ፡ ካብ ሚያዚያ ዕለት 10 ካሳብ 17 ዝጸንሕ 8 መድረኻት ከአንግድ ኢዩ።
ኣብ ናይ ትማሊ መኽፈቲ ቀዳማይ መድረኽ ጸወታ፡ ተቐዳደምቲ 270 ኪ.ሜ ዝሽፍን ውድድር ኢዮም ኣካይዶም። ምስ ክለብ “ባይክ ኤይድ” ተጠርኒፉ ጸወትኡ ዘካይድ ዘሎ ወዲ 24 ዳዊት የማነ፡ ዝነኣድ ጌዜ ኣመዝጊቡ።

ዳዊት ተዓዋቲ ሃገራዊ ሻምፒዮን ብሽክሌታ ኤርትራ 2021 ምዃኑ ይፍለጥ።
ሎሚ 11 ሚያዚያ ካልኣይ መድረኽ ቱር-ቱርኪ 158 ኪ.ሜ ዝሽፍን ውድድር ከካይድ ኢዩ።
ኤሪ-ሳት ንኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ጽቡቕ ዕድል ትምነ።
• መድረኽ 2 | ሴልከም – ኣልካቲ
11-04-2022 158km
• መድረኽ 3 | ሴስመ – ኢዝሚር
12-04-2022 123kms
• መድረኽ 4 | ኢዝሚር – ማኒሳ
13-04-2022 147km
• መድረኽ 5| ማኒሳ – ቫሊክ
14-04-2022 192km
• መድረኽ 6| ኢድረሚት – ኢሲባት
15-042022 205km
• መድረኽ 7 | ገሊቦሉ – ተክሪዳግ
16-04-2022 135km
• መድረኽ 8 | ኢስታምቡል – ኢስታምቡል
17-04-2022 136km