ህግደፍ ፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ንዝነብሩ ገለ ዉሑዳት ኤርትራዉያን ስነጥበበኛታት  ናብ ዉሽጢ ሃገር ከም ዝበጽሑ ገይሩ ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ሃገር ኪኣቱ ጸገም ከምዘየለ ንምእማን ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ጀሚርዎ ዘሎ ዘመተ፡ ንብዙሓት ግዳይ ኪገብር ከምዝኽእል ምንጭታት ካብ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣጠንቂቘም።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዑቕባ ሓቲቶም ኪናበሩ ንዝጸንሑ ገለ ፍሉጣት ስነጥበበኛታት፡ ናይ መገሻን ጻንሖትን ወጻኢታቶም ሸፊንካ ፡ ኣስዳዕቲን ኣናፈቕቲን ኣሳእል መገሻኦም ኣብ መናጽፍ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምዝርጋሕ ፈሊሙ ዘሎ እቲ ሽርሒ፡ ንብዙሓት ከደናግርን ኣተሓሕዛ ህግደፍ “ተመሓይሹ ይመስል” ከብልን ከምዝኽእል እዮም እቶም ምንጭታት ዘተሓሳስቡ።

እቲ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ጅሚሩ ዘሎ ዘመተ፡ ዘድሊ ባጀት ተሰሊዕሉ ተወሰኽቲ ስነጥበበኛታትን ህቡባት ሰባትን  ናብ ሃገር ንምዕዳም ይስራሕ ምህላዉ እዉን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ብዘይካ’ዚ ህግደፍ፡ ኣብ ግዳም ዝብርኽ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ምስ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ንምርኻብ ብዝነጥፋ ሚድያታት ፍትሒ ዝዳለዉ ስራሓት ተዓዛብነት ንኽስእን፡ ሓደስቲ ናይ ዩቱብ መስመራት ብብዝሒ ንምዉፋር ሓንጺጽዎ ዝጸንሐ መደብ ብዝሓየለ ይጎየሉ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ሃገር፡  ዕለታዊ ዓሰርተታት ስነጥበባዊ ስረሓትን መደባት ዕላልን ብመንገዲ’ተን ጽባሕ ጽባሕ ዝራብሓ ዘለዋ ናይ ዩቱብ መስመራት ከምዝዝርግሑ፣ ምስ ብዝሒ እተን መሰመራት ብምንጽጻር ድማ ንሽሙ’ዉን ይዂን ዝመሓላለፍ ትምህርታዊን ሞያዊን መደባት ከምዘየለ ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፣ ኣቶ የማነ ገበረኣብ ንዉሑዳት እሙናት መንእሰያት-ህግደፍ ጥራይ ኣብ ዘካየዶም ማንዛዊ ኣኼባታት ፣ ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ  ዝንህር ዘሎ ናይ ለዉጢ ሓይሊ ንምቚጻይ ገዚፍ ባጀት ተሰሊዑ፡ ብህግደፍን መንእሰያት ህግደፍን ዝካየዳ ብዙሓት ሓደስቲ ናይ ዩቱብ መስመራት ፡ መርበባት ሓበሬታ፡ ገጻት ማሕበራዊ ሚድያን ካልእን ንምውፋር ተመዲቡ ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ እዩ ።