መንግስቲ ግሪኽ ናብ ሃገሩ ዝሰግሩ ሓደስቲ ስደተኛታት ንምስጓግን ንምምላስን ፡ ነባራት ስደተኛታት ኣብ ሓለዋ ዶባት ምዉፋር ይቕጽሎ ከምዘሎ፡  ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘዉጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ ከሲሱ።

እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ፣ መንግስቲ ግሪኽ ኣብ ምሕላዉ ናይ’ቲ ንሃገሩን ቱርኪን ዘዳዉብ – ሓደስቲ ስደተኛታት ከም መሳገሪ ዝጥቀምሉ ፈለግ ነቭሮን-  ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ኣዋፊሩ ፡ካብ ቱርኪ ዝመጽኡ ሓደስቲ ስደተኛታት የሳጒግን የንገላትዕን ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ገጾም ዝተሸፈነ ዜጋታት ሃገራት ማእከላይ ኤውሮጳ፣ ከምኡ’ውን ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኤስያ ኣብ ገማግም እቲ ፈለግ ኣብ ጽዑቕ ናይ ሓለዋ ንጥፈታት ከምዝርከቡ ዝጠቐሰ ሓድሽ ጸብጻብ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ፣ መንግስቲ ግሪኽ ብግዱድ ምምላስ ሓደስቲ ስደተኛታት ከይክሰስ ፣ ኣሳጔግቲ ስደተኛታት ቈጺሩ ካብ’ቲ ወቐሳ ኪሕባእ ይፍትን ምህላዉ ኣረዲኡ።

ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ወርሒ መስከረም ናይ 2021 ክሳብ ምዝዛም ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ በቶም ዕሱባት ስደተኛታት  ናይ ዝተሳጉጒ ልዕሊ 20 ኣፍጋናዉያን ሰጋሮ ቃላት-ምስክርነት ድሕሪ ምስናድ እዩ ነዚ ብመንግስቲ ግሪኽ ዝቕጽል ዘሎ በደል ኣቃሊዑ።

እቶም ንኸምኦም ስደተኛታት ዘሳጒጒን ካብ ዶባት ግሪኽ ዝመልሱን ዘለዉ ዕሱባት፣ ኣብ’ቲ ስራሕ እንተነፊዖም ናይ ዑቕባ ጠለቦም ኪረጋገጸሎም ምዃኑ መብጽዓ እንዳተኣትወሎም ናብቲ ስራሕ ኪወፍሩ ዝግደዱ ምዃኖም እዉን፡ ገለ ካብቲ መሰኻክር ዝሃብዎ ሓበሬታ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ ግሪኽ ኣብ መፋርቕ 2021 ፣ ቱርኪ ንስደተኛታት ዉሕስቲ ሃገር ምዃና ኣፍልጦ ዝህብ ሕጊ ድሕሪ ምዉሓሱ፣ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ዘምርሑ ሓተቲ ዑቕባ  ሻቡ ኣብ ምምላስ ዓቲቡ ይሰርሕ ምህላዉ እዉን እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ ኣሎ።

ግሪኽ፣  ንስደተኛታት ብስደተኛታት ናይ ምስጓግ ስራሕ ካብ 2008 ኣትሒዛ ኪትክተሎ ምጽንሓ ዝወቅስ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፣ እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ብዝሓየለን ዝተራቐቐን መንገዲ ይቕጽል ምህላዉ ኣስሚርሉ ኣሎ።