ብዝጎነፎም ብረታዊ መጥቃዕቲ ተጫኒቘም ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ካብ መዓስከር ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ኣባላት ጸጥታ እቲ ከባቢ ከምዝርከቡ ምንጭታት ካብ’ቲ መዓስከር ሓቢሮም።
እቶም ስደተኛታት ድሕሪ’ቲ ናይ 2 ሚያዝያ መጥቃዕቲ፡ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ከምኡ’ውን ብበዓል መዚ ስደተኛታትን ተመላሶን መንግስቲ ኢትዮጵያ ARRA ክረጋገጸሎም ዝሓተትናዮ ናይ ጸጥታን ቀረብን ዉሕስነት ኣይተማልኣልናን ብምባል፡ ካብቲ መዓስከር ከርሕቚ ይደልዩ ብምህላዎም ምስ ኣባላት ሓለዋ ኪጓነጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብ’ቲ ሓድሽ መዓስከር ጸኒዑ ዘሎ ሓለዋ፡ ንኩነታት እቶም ስደተኛታት ዘብእስ ጥራይ ከምዝኾነ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ብዋሕዲ መሰረታዊ ቀረባት ህይወት ድሮ ዝጻገሙ ዘለዉ ስደተኛታት ፡ ካብ ቤተሰቦም ንዝለኣኾም ገንዘብ ንምዉጻእን ዘድልዮም ነገራት ንምዕዳግን ካብ መዓስከር ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ ተኸልኪሎም ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
ድሕሪ እቲ ናይ 2 ሚያዝያ ሓደጋ ፣ ናብቲ መዓስከር ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት UNHCR ብዛዕባ እቲ ፋጻመ እኹል ርድኢት ሒዞም ኣንዳሃለው ፡ ነቶም ስደተኛታት ቅልጡፍ ፍታሕ ዘየምጽኡ መብጸዓታትን ኣማራጺታትን ኣስሚዖምዎም ጥራይ ከምእተመልሱ እዉን ይንገር ።
ካብ UNHCRን ARRANን ዝተዋህቦም መብጸዓታትን ኣብ ባይታ ከምዘየለ ዘስተብሃሉ ስደተኛታት፡ ሒደት መዓልታት ድሕሪ’ቲ ናይ 2 ሚያዝያ ሓደጋ ፡ ኣብቲ መዓስከር ክጸንሑ ከምዘይደልዩ ብዓዉታ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን እዉን ብኣባላት ሓለዋ መግረፍቲ ከምዝሰዓቦም ተሓቢሩ እዩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ካብ’ተን ኣቐዲመን ዝዓነዋ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ተበታቲኖም ናብ ከባቢታት ጎንደር ንዝወሓዙን፡ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝሳቐዩ ንዘለዉን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምዕቋብ፡ ካብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2021 ነቲ ሓድሽ መዓስከር ክሃንጽ ከምዝጀመረ ይዝከር።
ARRA ምስ UNHCR፡ ውድብ መግቢ ዓለምን ካልኦት ናይ ግብረሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ነቲ ሓድሽ መዓስከር ከደላድል ድሕሪ ምጽናሕ እዉን፣ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ብዉሑድ ቊጽሪ ኤርትራዉያን ኪቕበልን ከግዕዝን ምጅማሩ ይፍለጥ።
እንተኾነ ፡ ኣብ መዓስከር ኣለማዋጭ ዘሎ ኩነታት ዕለታዊ ይብእስ ከምዘሎ፣ ነቲ ሓድሽ መዓስከር ኣብ ምክያድ ሓልፍነት ዘለዎም ኩሎም ኣካላት ድማ፡ ሰብኣዊ ድሕነት ስደተኛታት ኣብ ምርግጋጽ ደኺሞም ምህላዎም እዩ ብተደጋጋሚ ዝሕበር ዘሎ።