ሓይልታት ክልል ትግራይ ሒዞምዎ ካብ ዝጸንሑ ከባቢታት ኢሪብቲ ናይ ክልል ዓፋር ከምዝወጽኡ ፡ ክፍሊ መራኸቢታት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብ12 ሚያዝያ ገሊጹ።
ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 መጋቢት ዝወሰዶ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ንምስናይን ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ጸገም ናብ ትግራይ ኪባጻሕ ንምድግጋፍን ነቲ ካብ ክልል ዓፋር ናይ ምዉጻእ ስጒምቲ ከምዝወሰደ እዩ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ ዘሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ድሕሪ ምእዋጁ መግቢን መድሃኒትን ዝጸዓና ልዕሊ 20 መካይን ናብ መቐለ ምብጻሐን ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከይወጽኡ ዝቕጽል ረዲኤት ከምዘየለ ክስማዕ ድሕሪ ምቕናዩ እዩ ፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓይልታቱ ካብ ከባቢታት ዓፋር ከምዘውጽአ ዝገልጽ ዘሎ።
መግለጺ ክፍሊ መራኸቢታት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ወሲዂ፡ ነቲ ሓይልታት ናይ ምስሓብ ስጒምቱ ስዒቡ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምርሕ ንዘሎ ትጽቢት ኣስሚርሉ ኣሎ።
እቲ ክልላዊ መንግስቲ ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍን ብዘይጸገምን ናብ ህዝቢ ትግራይ ክበጽሕ እንተጀሚሩ፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ንዝተኣወጀ ምቊራጽ ተጻብኦ ኪርዕሞ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።
እቲ ንዘይተነጸረ እዋን ኪቐንዕ ተመዲቡ ዘሎ ምቚራጽ ተጻብኦ፡ ሰብኣዊ ድሕነት ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝዓለመን ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ’ታ ክልል ዘብሎ ረዲኤት ብዘይጸገም ንኽበጽሕ ዘኽእልን ከምዝኾነ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገልጽ።