ኣብ ሓድሽ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ፣ ሓደ ኤርትራዊ – ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረዲኤት ኪረክብ ብዘይምኽኣሉ ህይወቱ ከምዝሰኣነ፡ ራድዮ ኤረና ንምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢራ። ብመሰረት ሓበሬታ ኤረና፡ ጸሃየ ኣስመሮም ዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ ፣ ብሰንኪ ስእነት መጓዓዝያ ቀረባኡ ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ብእዋኑ ኪበጽሕ ብዘይምኽኣሉ ግዳይ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ሬሳ ናይቲ ብ 11 ሚያዝያ ዝተኾልፈ መንእሰይ ፣ ኣብ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝርከብ ቤትክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ሓመድ ኣዳም ምልባሱ እዉን እታ ሬድዮ ሓቢራ።
ሞት እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ኣብ’ቲ ሓድሽ መዓስከር ንዘሎ ምምሕዳራዊ ድኻማት ዘቃልዕ እዩ።
ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዘሎ ሰብኣዊን ጸጥታዊን ቅልዉላዉ ዕለታዊ ይብእስ ከምዘሎ ኪሕበር ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብ’ታ መዓስከር ዝነብሩ ሓያለ ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ስደተኛታት ወገናትና ኣብ ከቢድ ጭንቀት ወዲቘም ይርከቡ።
ብዝጎነፎም ብረታዊ መጥቃዕቲ ተጫኒቘም ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣለምዋጭ፡ ካብ መዓስከር ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ኣባላት ጸጥታ እቲ ከባቢ ከምዝርከቡ ምንጭታትና ሓቢሮም’ዮም።
እቲ ጸኒዑ ዘሎ ሓለዋን ዕጽዋን፡ ነቶም ብዋሕዲ መሰረታዊ ቀረባት ህይወት ዝጻገሙ ዘለዉ ስደተኛታት ፡ ካብ ቤተሰቦም ንዝለኣኾም ገንዘብ ንምዉጻእን ዘድልዮም ነገራት ንምዕዳግን ካብ መዓስከር ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ ገይሩ ብምህላዉ’ዉን፣ እቲ ጸገም መሊሱ ይብእስ ኣሎ።
እቶም ስደተኛታት፡ ድሕሪ’ቲ ናይ 2 ሚያዝያ መጥቃዕቲ፡ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ከምኡ’ውን ብበዓል መዚ ስደተኛታትን ተመላሶን መንግስቲ ኢትዮጵያ ARRA ክረጋገጽ ዝሓተትዎ ናይ ጸጥታን ቀረብን ዉሕስነት ብዘይምምላኡ፡ ካብቲ መዓስከር ከርሕቚ ይደልዩ ምህላዎም ይፍለጥ።
ካብ UNHCRን ARRANን ዝተዋህቦም መብጸዓታትን ኣብ ባይታ ከምዘየለ ዘስተብሃሉ ስደተኛታት፡ ሒደት መዓልታት ድሕሪ’ቲ ናይ 2 ሚያዝያ ሓደጋ ፡ ኣብቲ መዓስከር ክጸንሑ ከምዘይደልዩ ብዓዉታ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን እዉን ብኣባላት ሓለዋ መግረፍቲ ከምዝሰዓቦም ተሓቢሩ እዩ።