ህግደፍ ልዕሊ ካልእ እዋን ዝጽመደሉ ሓድሽ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ የንጸላሉ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም።

ህግደፍ ምስ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘደላድሎ ዘሎ ሽርክነት፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሻቕሎት ይፈጥር ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ፡ ነቲ ሻቕሎት ንምፍዃስ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ስለያ ህግደፍ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየዱ መገሻታት ፍረ ከምዘይተረኽቦም የረድኡ።

እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኽካየዱ ዝወርሑ መገሻታት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ – ዘተ ሰላም ንምዕዋት ዝኽተሎም ዘሎ ህዉኻት ኣካይዳታት ቀይዲ ኪገብረሎም፡ ንመሪሕነትን ሓይልታትን ክልል ትግራይ ዘርእዮ ዘሎ እወታዊ ቅሩብነት ደዉ ከብልን ካልእን ዝብሉ ቅድመኩነታዊ ጠለባት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንምብጻሕን እዋናዊ መርገጺታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምጽላዉን ዝዓለሙ እዮም ነይሮም።

ህግደፍ ፣ ካብ ኣፍልጦ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝተኸወሉ ቀጸልቲ ርክባት ምስ ሓይልታትን ሰብ-መዚን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን የቃንዕ ምህላዉ እዉን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ሰራዊት ፈደራል ካብ መሬት ትግራይ ሃንደበት ድሕሪ ምስሓቡ፣ ክዝሕትል ዝጸንሐ ዝምድና ህግደፍን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ’ዚ ግዜ ናብ ንቡር ንኽምለስ ኣጸጋሚ እንዳኾነ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንሓይልታት ኣምሓራን ዓፋርን ኣላፊኑ ዘተርንዖ ዘሎ ስግኣት ንምብዳህ ክሳብ ምስ ሓይልታት ትግራይ ሓያለ ሕድገታት ዝሓቚፉ ጽምዶታት እንዳፈተነ ክጽጋዕን፡ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ንዝመጽኡ ጠለባት ብዘይቅድመ ኲነት ከማልእን ይርአ ምህላዉ የገንዝቡ።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ላዕለዎት ሓለፍቲ  ህግደፍ ናብ ከተማ ሰመራ ናይ ክልል ዓፋርን ናብ ከተማ ጎንደር ናይ ክልል ኣምሓራን ብምስጢር ይመላለሱ፣ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጠሊምና ኢና ንዝብል ርድኢት ናይ ሓይልታት እተን ክልተ ክልላት ንምሕያል ድማ ጽዑቕ ጎስጓስ  የካይዱ ከምዘለዉ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ እተን ክልላት ካብ ቊጽጽርን ተማእዛዝነትን ፈደራላዊ መንግስቲ ቀጻሊ የርሕቓ ብምህላወን ፣ ንህግደፍ ኣሚነን ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሓድሽ ኲናት ክሽመማ ዝለዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ የተሓሳስቡ።

ኣብ ሞንጎ እተን ክልላትን ፈደራላዊ መንግስቲን ዝዉላዕ ሓድሽ ኲናት ፣ ኣብ ሞንጎ ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ኲናት ከምዝኸዉን እዉን እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ ምስ ሱልጣን ራሓይታ ዓብዱልቃዲር ዳኡድ ብምዃን ናብ ከተማ ሰመራ ናይ ክልል ዓፋር ከምዝበጽሑ፡  ምስ ዓበይቲ ዓዲን ሰብስልጣንን እታ ክልል ብምርኻብ ድማ ፡ ሓይልታት ዓፋር ካብ ህግደፍ ኪረኽብዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ  ወተሃደራዊን ሎጂስቲካዊን ሓገዛት ከምእተዘራረቡ ተሓቢሩ እዩ።

ብዘይካ’ዚ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ቊጠባዊን ሎጂስቲካዊን ጸቕጥታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገላጊሎም ምስኡ ንኽዉግኑ ብተግባር ይዋሳእ ከምዘሎ ይፈልጥ።