ንዉድብ ጥዕና ዓለም ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ፣ እቲ ዉድብ ንዘንጸፈሉ ስልጣን ብምዕማጽ- ንኤርትራ ኣብ ምጽላም ቀጻሊ ይሰርሕ ከምዘሎ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቅል ከሲሱ።
እቲ ሚኒስተር ብ 12 ሚያዝያ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፣ ዶክተር ቴድሮስ ነቶም ብናይ ህወሓት ብጾቱ ዝፍጸሙ ዘለዉ ግህሰታት ንምኽዋል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንኤርትራ ኣብ ምስይጣን ከምዝርከብ እዩ ወቒሱ።
ሚኒስተር የማነ ኣብ ምዝዛም ዓመተ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ተመሳሳሊ ጽሑፍ እዉን፣ ዶክተር ቴድሮስ ንእዋናዊ ስልጣኑ ብምጥቃም ኣንጻር ኤርትራ ንዝውሕዙ ክስታት ምዕራባዉያን የቃልሕን የዳግምን ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ነቲ “ብሚልዮናት ኢትዮጵያዉያን ብሕጊ ዝሕተት ገበነኛ” ዝበሎ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ስልጣን ብምዕማጽ ንዝኾነት ኣባል ሕቡራት ሃገራት ከጸለም ከምዘይግባእ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ እዩ።
ኣብ መናድቕ ትዊተር ብዘይምቊራጽ ዝጽሕፍን ዝታረኽን ሚኒስተር የማነ፡ ምስ ከም ፈጻሚ ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፣ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን፣ ፍሉጣት ግዜጠኛታት ፣ ከምኡ’ዉን ዲፕሎማሰኛታትን ኣህጉራዉያን ትካላትን ብዘይዕረፍቲ ኪመላለስ ከምዝርአ ይፍለጥ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዉን፡ ነቲ ገና ንጡፍ ኣባል ህወሓት ከምዘሎ ዝጠቕሶ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ተመሳሰልቲ ክስታት ከዝንበሉ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ናብ ቦርድ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዘቕረቦ ክሲ፣ ዶክተር ቴድሮስ ምስ ሓይልታት ክልል ትግራይ ይደናገጽን ንስነ ምግባር መሪሕነት ዉድብ ጥዕና ዓለም ይጥሕስን ኣሎ ዝብል’ዩ። እቲ ቦርድ ግን፣ እቲ ክሲ ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎን ዝተሓላለኸን ብምዃኑ ንግዜኡ ክምርምሮ ከይምዘይመርጽ ሓቢሩ እዩ።
ተወላዲ ትግራይ ዝኾነን ካብ ላዕለዎት ኣባላት ህወሓት ዝነበረን ዶክተር ቴድሮስ፡ ነቲ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ሰሪቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉን ግጉይ ሓበሬታ የካፍል ከምዘሎ እዩ ፡ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ዝወቅስ።
ንካልኣይ ግዜ ኽምረጽ ብሓያሎ ሃገራት ተሓጽዩ ዘሎ ዶክተር ቴድሮስ፡ ዳይረክተርነት ዉድብ ጥዕና ዓለም ዳግማይ ኸይሕዝ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ዘመተታት ኽኻየድ ምጽንሑ እዉን ይፍለጥ።