ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ትቕጽሎ ዘላ ኣልማሚ መጥረዝቲ ብምዂናን፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ግዱድ ምምላስ ኤርትራዉያን ብቕልጡፍ ደዉ ከብሎ ደጊሞም ጸዊዖም።

ፍሉይ ጸብጻቢ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምስ ኣብ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ዝወፈሩ ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ብ13 ሚያዝያ ኣብ ዝገበርዎ ጻዉዒት ፡ ሓተቲ ዑቕባ ብዘይ ተሓታትነት ኣልሚምካ ናይ ምጥራዝ ፖሊሲ መንግስቲ ግብጺ ኣመና ከምዘሻቐሎምን፡ እቲ ተርእዮ ንኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስ ምዃኑን እዮም ኣተሓሳሲቦም።

ኣልማሚ መጥረዝቲ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ክልኩል ምዃኑ ፡ እቶም ድሮ ብግዲ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ስደተኛታት ከኣ ብሕሱም ኣተሓሕዛ ይሳቐዩ ምህላዎም ዘመላኽት ሓበሬታ ተኣኪቡ ከምዘሎ እዮም እቶም ክኢላታት ጠቒሶም።

ሰብ መዚ መንግስቲ ግብጺ ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብዉሑዱ 68 ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሱ ዝሓበሩ እቶም ክኢላታት፡ ብሓይሊ ዝምለሱ ስደተኛታት ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲን ሓደጋን ከምዝጽበዮም ፍጹም ኣብ ግምት ከምዘይኣተወ ፣ ናይ’ዚ መርኣያ ሓያለ ካብቶም ዝተመልሱ ፡ ዝኾነ ደሃይ ከምዘይብሎም ኣብሪሆም።

ገለ ካብቶም ብግዲ ዝተመልሱ ስደተኛታት ኣብ ኲናት ትግራይ ኪሳተፉ ተገይሩ ከይከዉን ፍርሂ ከምዘለዎም ዝሓበሩ እቶም ክኢላታት፡ ብዛዕባ ኩነታቶምን ኣበየ-ህላወኦምን  ሓበሬታ ኪወሃብ ቀጻሊ ይጽዉዑ ከምዘለዉ’ውን ኣረዲኦም።

ብግዲ ዝምለሱ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ቅድሚ መጥረዝቶም፡ ከም ገበነኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ግብጺ ሕሰም ከምዘሕልፉ፣ መሰልን መስርሕን ዑቕባ ከምዝኽልከሉ ፣ ምስ ዝኾነ ጠበቓ ይዂን ወኪል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኪራኸቡ ከምዘይፍቀደሎም፣ ከምኡ’ዉን ብሕጽረት መሰረታዊ ጠለባት ህይወትን ኣገልግሎት ጥዕናን ከምዝሽገሩ’ዮም እቶም ክኢላታት ዝወቕሱ።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ክሳብ 200 ዝበጽሑ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ግብጺ ተታሒዞም መጥረዝቲ ይጽበዮም ከምዘሎ’ዉን እቶም ክኢላታት ኣነጺሮም።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ በቶም ክኢላታት ተመሳሳሊ ጻዉዒት ቀሪቡ ምንባሩ ይዝከር ።

ትካል ሓለዋ ሰባኣዊ መሰላትን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን እዉን ፣ መንግስቲ ግብጺ ህጻናት ንዝርከብዎም ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቑባ ጉዳዮም ብሕጋዊ መንገዲ ኸይተራእየን መሰረታዊ መሰላቶም ኸይተሓለወን ብግዲ ናብ ኤርትራ ይጥርዝ  ምህላዉ ብተደጋጋሚ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።