ካሪም ቤንዜማ ኣብ ተወሳኺ ጊዜ ብዘምዝገባ ሽቶ፡ ሪያል ማድሪድ 5 ብ 4 ድምር ውጽኢት ንቼልሲ ስዒራ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ። ትማል ምሸት ሰዓት 10 ኣብ ሜዳ በርናቡ ዝተኻየደ ብዙሕ ድራማዊ ክስተት ዝተራእየሉ ሓያል ናይ ሻምፒዮንስ ሊግ ርብዒ ፍጻመ ጸወታ፡ ቼልሲ ብ መንገዲ ማሶን ማውንት ኣብ መበል 15፡ ኣንቶኒዮ ሩዲገር ኣብ መበል 51 ከምኡውን ቲሞ ወርነር ኣብ መበል 75 ደቓይቕ ብዘመዝገብወን ሽቶታት 3 ብ 0፡ ብድምር’ኸኣ 4 ብ 3 ወጽኢት ክትመርሕ ክኢላ ኔራ። ኣብ መበል 80 ደቒቕ፡ ንማድሪድ ትንፋስ ዝሰኹዐትን ናብ ተወሳኺ 30 ደቒቕ ንከምርሑ ዝገበረት ሽቶ፡ ተቐይሩ ናብ ሜዳ ዝኣተወ ሮድሪጎ ኣመዝጊብዋ። ሉካ ሞድሪች ብኣዝዩ ብሱል ክእለት፡ ካብ ርሑቕ ነዚ ወዲ 21 ዓመት ብራዚላዊ ሮድሪጎ ዘቐበሎ ኩዕሶ ኣዝያ ትንኣድ ኢያ ኔራ። ጸወታ 1 ብ 3 ብድምር’ኸኣ 4 ብ 4 ኮይኑ ማለት ኢዩ።

ኣብ ተወሳኺ 30 ደቒቕ ጸወታ፡ ቤንዜማ ካብ ቪንሺየስ ጁኒየር ዝረኸባ ኩዕሶ ኣብ መበል 96 ደቒቕ ብርእሱ ሃሪሙ ሽቶ ኣመዝጊቡ። እዛ ሽቶ ብጌጋ ተኸላኻላይ ቼልሲ ኣንቶኒዮ ሩዲገር ዝተረኽበት ኢያ ኔራ። ሩዲገር ኣብ ቅድሚ ቤንዜማ ስለዝወደቐ፡ ካብ ቪንሺየስ ጁኒየር ዝተሳገረት ኩዕሶ ቤንዜማ ብዘይ ተቓጻጺ ብርእሱ ሃሪሙ ከምዝግባ ኣኽኢልዎ ኢዩ። ብድሕሪ’ዚ ቼልሲ ዝረኸበተን ብዙሕ ዕድላት ኣይተጠቀመትሎምን። ብፍላይ ሃቨርትዝ ብርእሱ ገጭዩ ከመዝግና ዘይካኣላ ኮዕሶን ጆርጊኖ ካብ ቀረባ ርሕቀት ዝሰሓታ ዕድል ክጥቀሳ ይኽእላ። ተወሳኺ ሽቶታት ክምዝገብ ስለዘይከኣለ ሪያል ማድሪድ ብድምር 5 ብ 4 ንቼልሲ ብምስዓር ና ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ። ቼልሲ ዋልኳ ናብ ፍርቂ ፍጻመ እንተዘይሓለፈት ኣዝዩ ጽቡቕ ጸወታ ክተርኢ ክኢላ ኢያ።

ብድሕሪ’ዚ ጸወታ እቲ ፍሉጥ እንግሊዛዊ ኣዳላዊ ዓምዲ ስፖርት ደይሊ-ሜል ዝኾነ ማርቲን ሳሙኤል ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፥ “ሕጂውን ቤንዜማ…! ሎሚ ግን ሰለስተ ሽቶታት ኣይኮነን ኣመዝጊቡ – ሓንቲ ኢያ። እዛ ሓንቲ ግን ልቢ ብዙሓት ደገፍቲ ቼልሲ ዝሰበረትን ከምቲ ዝጸዓርዎ ክረኽቡ ዘየኽኣለትን ሽቶ” ክብል ተሰሚዑ።

ብተመሳሳሊ ቪያሪያል ን ባየርን ሙኒክ ኣብ ኣሊያንዝ ኣሬና ገጢማ 1 ን 1 ብምፍልላያ ብድምር 2 ብ 1 ዝኾነ ውጽኢት ሒዛ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ። ባየርን ሙኒክ ዋላኳ ካብ ሉዋንዶውስኪ ኣብ መበል 52 ደቒቅ ብዝረኸበታ ሽቶ 1 ብ 0 መሪሓ እንተ ኣመሰየት፡ ቪያሪያል ኣብ መወዳእታ ጊዜ ኣብ መበል 88 ደቒቕ ካብ ወዲ 22 ዓመት ናይጄሪያዊ ፕሮፌሽናል ተጻዋታያ ሳሙኤል ችኩዋዜ ብዝረኸበታ ሽቶ ክትመዓራረ ስለዝኸኣለት ናብ ዝቕጽል ጸወታ ክትሓልፍ ክኢላ።

ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮፓ ሎሚውን ቀጺሉ ከምሲ ኢዩ። በዚ መሰረት ሰዓት 10 ምሸት፥ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ማንችስተር ሲቲ፡ ከምኡውን ሊቨርፖል ምስ ቤኔፊካ ጸወተአን ከካይዳ እየን።