ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ 146.2ኪ.ሜ ዝሸፈነ 4ይ መድረኽ ዙር ቱርኪ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ 53 ካልኢት ጥራይ ደንጉዩ መበል 6ይ ኮይኑ ጸወትኡ ዛዚሙ። ብናይ ሓያል 16.2ኪ.ሜ ንውሓት ዘለዎ ዓቐበት ዝተዛዝመ እዚ ወድድር፡ ወዲ 30 ዓመት ኣርጀንቲናዊ ኤድዋርዶ ተዓዊቱ።

ብ “Presidential Tour of Turkey” ዝፍለጥ ንምበል 57 ጊዜ ኣብ ሃገረ ቱርኪ ዝካየድ ዘሎ ናይ “2.PRO”  ዩ.ሲ.ኣይ መዐቀኒ ዘለዎ’ዚ ውድድር ካብ ዕለት 10 ክሳብ 17 ሚያዚያ ናይዚ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ ትሕቲ ናይ “ዎርልድ ቱር” ልዕሊ “ዩ.ሲ.ኣይ ኮንቲነንታል” ዝስራዕ ካብ 2 ንላዕሊ መድረኻት ዝሓቁፍ ዓይነት ናይ ጽርጊያ ውድድር ኢዩ።

በዓል ናይሮ ኲንታና ዝወዳደሩሉ እዚ ውድድር፡ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ዛጊድ ብዘርእዮ ዘሎ ብቕዓት ኣርእስቲ ክሰርሕ ክኢሉ ኢዩ። ናይ ሎሚ መዓልቲ ውድድር፡ ካብ ኩሉ መድረኻት ዝሓየለን ናይ “193 ፕሮፋይል ስኮር” ዝተዋህቦ ኢዩ። ኣብዚ ተሪሪ ዓቐበት ዘለዎ ውድድር ኣዝዩ ዝነኣድ ጊዜ ስለዘመዝገበ፡ ኣብ ናይ ሓፈሻዊ ጊዜ(General Classification) 53 ካልኢት ጥራይ ድሕሩ መበል 7ይ ደረጃ ተሰሪዑ።

ኣብ ናይ ትማሊ 3ይ መድረኽ ውድድር ቱር ቱርኪ፡ ቤልጄማዊ ፊሊፕሰን ጃስፐር ብ 2:39”19 ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት‘ከሎ፡ ዳዊት የማነ ኸኣ ዋላሓደ ጊዜ ከይከሰረ መበል 65 ደረጃ ኮይኑ ጸውትኡ ዛዚሙ።

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2013 ነዚ ውድድር ተዓዊትሉ ምንባሩ ይዝከር።

ጽባሕ ኣብ ዝቕጽል 5ይ መድረኽ ዙር ቱርኪ ተቐዳደምቲ 186.1ኪ.ሜ ዝሽፍን ወድድር ክካይዱ እዮም።