ንኣምባሳደር ጀፈሪ ፈልትማን ተኪኡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብምዃን ኪነጥፍ ዝጸንሐ ዴቪድ ሳተርፊልድ ፡ ስራሑ ይሓድ ከምዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት እታ ሃገር ይሕብሩ ኣለዉ። እቲ ዲፕሎማት ነቲ ዉሳነ ዝወሰደሉ ምኽንያት ዛጊት ዘይተፈልጠ ኮይኑ፣ ኣብ’ቲ ኣመሪካ ንዝብእስ ዘሎ ጸጥትዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምህዳእ ተካይዶ ጻዕሪ ሃንደበታዊ ሃጓፍ ከስዕብ ከምዝኽእል እቶም ምንጭታት የረድኡ።
ዴቪድ ሳተርፊልድ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድን ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታትን ብፍሉይ ኽከታተልን መፍትሒታት ከካዉንን ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተሰምየ ኮይኑ፣ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ስራሑ ምሕዳጉ ነታ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታታ ብጉዳይ ዩክሬንን ሩስያን ተዓብሊሎምዋ ዘላ ኣመሪካ ተወሳኺ ሰኸም ዝጽዕን እዩ።
ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ዘይንቡር ክስተትን፣ ንቦታ ስራሕ እቲ ፍሉይ ልኡኽ መን ከምዝትክእን ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።
ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ምዝላቕ ተጻብኦታት ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ደሓን ዝኾነ ኣስተዋጻኦ ምግባሩ ዝሕብሩ ምንጭታት፣ ኣብ’ተን ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ግዜ ስልጣኑ – ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ንኽእዉጅ ጸቕጥታት ኣብ ምግባር ልዑል ተራ ከምዝተጻወተ ይዛረቡ።
ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብስልጣን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ድሕሪ ምዝርራቡ ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ24 ሚያዝያ ንዘይተወሰነ እዋን ዝቕጽል ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ከምዝኣወጀ ኣይርሳዕን።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንነዊሕ እዋናት ብደረጃ ኣምባሳደር ዘገልገለ ሳተርፊልድ፡ ብ 6 ጥሪ 2022 ንኣምባሳደር ጀፍሪ ፊልትማን ተኪኡ ከም ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓላፍነት ከምዝተሰከመ ይዝከር።