ብ 13 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ርብዒ ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮፓ፡ ሊቨርፑል ንቤኔፊካ ዓዲማ 3 ብ3 ተፈላልያ። ኣብ ቀዳማይ እግሪ 3 ብ 1 ኣብ ሜዳ ቤኔፊካ ዝሰዓረት ሊቨርፑል፡ ብድምር ውጽኢት 6 ብ 4 ንቤኔፊካ ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ። መስመር ምክልኻል እዛ እግሊዛዊት ካለብ ጽቡቕ ከምዘየለ ዝንገረላ ዘሎ ሊቨርፑል፡ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ጸወታታት ማለት ምስ ቤኔፊካን ማን-ሲቲን ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ 5 ሽቶታት የአንጊዳ ኢያ። እዚ ኸኣ ማንችስተር ሲቲ ዝመጽእ ቀዳም ምስ ሊቨርፑል  ኣብ ዊምብሌይ ኣብ ግጥም ኤፍ ኤ ካፕ ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝህልዋ ግጥም፡ ሞራል ዘስንቓ ምዃን ይግመት።

ሊቨርፑል ኣብ መበል 21 ደቒቕ፡ ኢብራሂማ ኮናተ ብርእሱ ሃሪሙ መሪሕነት እተትሕዞም ሽቶ ኣመዝጊቡ። እዛ ሽቶ’ዚኣ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ኣብ ፖርቹጋል ባዕሉ እዚ ተጸዋታ ዘመዝገባ ሽቶ ትመሳሰል ኢያ። ብድሕሪዚ ቤኔፊካ ኣብ መበል 31 ደቒቕ ካብ ራሞስ ብዝረኸበታ ሽቶ ክትመዓራረ ክኢላ ኔራ። ሊቨርፑል ካብ ፈርሚንዮ 2 ሽቶታት ረኺባ 3 ብ 1 መሪሓ እኳ እንተነበረት፡ ድሒራ ቤኔፊካ ካብ ያርምቹክን ኑኔዝን 2 ሽቶታት ብምርካባ ጸወታ ማዕረ 3 ብ 3 ተዛዚሙ። ሊቨርፑል ብድምር 6 ብ4 ንቤኔፊካ ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ናብ ማድሪድ ጌሻ ኣብ ሜዳ ሜትሮፖሊታኖ ምስ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ዝገጥመት ማንችሰር ሲቲ፡ 0 ብ 0 ተፈላልያ። ኣብዚ ብዙሕ ሕልኽን ባእሲን ዝተረኣየሉ ግጥም፡ ኣብ መበል 88 ደቒቕ ፊሊፔ ኣብ ልዕሊ ፎደን ጌጋ ብምፍጻሙ ብቀይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ተባሪሩ። ዲብሮኒን ዎከርን ብመጉዳእቲ ካብ ሜዳ ዝወጹዋ ማንችስተር ሲቲ፡ ናይ ቀዳማይ እግሪ ኣብ ኢትሃድ ዝተኻየደ ጸወታ ናይ 1 ብ 0 ዓወት ብምዕቃባ፡ ብድምር 1 ብ 0 ብዝኾነ ወጽኢት ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ።

ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ፡ ሰሉስ ዕለት 26 ሚያዚያ ሰዓት ዓሰርተ ምሸት ማንችስተር ሲቲ ምስ ሪያል ማድሪድ ኣብ ሜዳ ኢትሃድ ክጋጠማ ኢየን። ሊቨርፑል ምስ ቪያሪያል ከኣ ረቡዕ ዕለት 27 ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ክካየድ ኢዩ።