መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ከምዝግዕዙ ብምግባር፡ መስርሕ ዑቕባኦም ብርሑቕ ንኽከታለሉ ዝሓንጸጾ መደብ ተግባራዊ ኪኸዉን’ዩ።
ጸሓፊት ዉሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓቲ ናብ ከተማ ኪጋሊ ብምብጻሕ ፣ ሓሙስ 14 ሚያዝያ ነቲ መደብ ዘጣጥሕ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ከቲማ ኣላ። በዚ መሰረት ሩዋንዳ፣ ነቶም ካብ ብሪጣንያ እትቕበሎም ሓተቲ ዑቕባ ንምስሳይ ኣብ ፈለማ 120 ሚልዮን ፓዉንድ ስተርሊን ካብ ብሪጣንያ ኪቕረበላ እዩ።
መንግስቲ ርዋንዳ እዉን እቲ ዉዕል ከምእተኸተመን ፡ ሃገሩ ነቶም ሓተቲ ዑቕባ ተቐቢላ ድሕነቶም ከተዉሕስ ተቐሪባ ምህላዋን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዉን፣ እታ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ እትወጽእ ነዊሕ ዘይገበረት ሃገሩ ማሕበረ-ቊጠባዊ ብድሆታት ንምግጣም ትጽዕር ብምህላዋ፣ ንቐጻሊ ዋሕዚ ስደተኛታት ከተማሕድር ዓቕሚ ይዉሕዳ ከምዘሎ ጠቒሱ፣ ድሕሪ ሕጂ እቶም ካብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ብዘይሓዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉን ኪኣትዉ ዝኾኑን ደቂ-ተባዕትዮ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ኪግዕዙ ምዃኖም ኣነጺሩ ኣሎ።
እቲ ተኣትዩ ዘሎ ዉዕል፣ ሩዋንድ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ ካብ ብሪጣንያ ተቐቢላ ከተስፍር ዘኽእል ገደብ ግዜ ዘይተዋህቦ ክፉት ውዕል ከምዝኾነ እዉን ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ መደብ፣ ብቚጠባዊ ምኽንያት ከምእተሰዱ ብቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ዝዉሰነሎም ደቂ-ተባዕትዮ ሓተቲ ዑቕባ ሻቡ ናብ ሩዋንዳ ኣግዒዝካ ፣ መስርሕ ዑቕባኦም ኣብኡ ኮይኖም ኪከታተሉን በቲ ኣብ ርዋንዳ ዝወሓሰሎም ናይ መንበሪን ስራሕ ዕድላት ልቦም እንተዓሪፍሎም ድማ ኣብ’ታ ሃገር ኪጸንሑ ዘኽእል እዩ።
ሰነዳት ክፍሊ ዉሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ከምዝሕብሮ ፣ ኣብ 2021 ብመትረብ እንግሊዝ ናብ ብሪጣንያ ካብ ዝኣተዉ 28,526 ስደተኛታት እቶም 90 ሚእታዊት ደቂተባዕትዮ ምንባሮም እዩ።
መንግስቲ ብሪጣንያ እዚ ምስ ሕግታት ኢሚግሬሽን ሃገሩ ክጽንብሮ ዝኾነ መደብ ፣ ምስቲ ኣዉስትራሊያ እትኽተሎ ንሓተቲ ዑቕባ ኣብ ራሕቒ ቦታ ኣቐሚጥካ ዝካየድ መስርሕ ዝመሳሰል ኮይኑ፣ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ከባቢ 8,000 ኪሎሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ ሩዋንዳ ወሲድካ መስርሕ ዑቕባኦም ኪከታተሉ ምግዳድ ፡ ኣብ ልዕሊ መሰል ስደተኛታት ቅሉዕ ግህሰት ከምዝኾነ እየን ዝተፈላለያ ተሓለቅቲ ሰባኣዊ መሰላት ዝወቕሳ ዘለዋ።
መንግስቲ ዴንማርክ እዉን ተመሳሳሊ መደብ ንምቅናዕ ምስ ሩዋንዳ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ከቲሙ ናብ ተግባራዊ ዉዕል ንምእታዉ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ይግለጽ።
ሩዋንዳ ኣብ 2014 እዉን፡ ካብ መንግስቲ እስራኤል ልዑል መጠን ገንዘብ ተቐሪቡላ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ንዝተነጽገ ኣስታት 4,000 ኤርትራዉያንን ሱዳናዉያንን ተቐቢላ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፣ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳን ብምስጋር ብመንገዲ ሱዳንን ሊብያን ከም’ዉን ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ከምዘምርሑ ይፍለጥ።