ኢትዮጵያዊ በዓል-መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ARRA፡ ነቲ UNHCR ከይተረፈ ዝተዛረበሉ ኣብ ሓድሽ መዓስከር ኣለምዋጭ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ብረታዊ መጥቃዕቲ ብቕሉዕ ክነጽጎ ይረአ ኣሎ።
ጠቕላሊ ዳይረክተር ARRA ተስፋሁን ጎበዛይ ምስ ኢትዮጵያዊ ማዕከን ዜና ENA ብ14 ሚያዝያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ፡ ነቲ ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ኣታሓሳሳቢ ኮይኑ ዝቐነየ ፍጻሜ ክነጽግ ተሰሚዑ ኣሎ።
ኣቶ ተስፋሁን፣ ኣብ’ቲ መዓስከር ኣብ ምንጎ ስደተኛታት ብዝተኸስተ ባእሲ 5 ሰባት ምቚሳሎምን ፣ ጠንቂ እቲ ባእሲ ንምፍላጥ ገና መርመራ ይካየድ ከምዘሎን ጥራይ ጠቒሱ፡ ምስ’ቲ ወሃቢት-ቃል UNHCR ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ፌይስ ኪሲንጋ – ኣብ’ቲ መዓስከር 8 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብብረታዊ መጥቃዕቲ ምቚሳሎም – ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ዝሃበቶ ሓበሬታ ዝጻረር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ንመግለጺ ወሃቢት ቃል UNHCRን ፡ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝነብሩ ስደተኛታት ብዕጡቓት ከምእተጠቕዑ ከስምዕዎ ንዝቐነዩ ኣውያትን ብዝምልከት ዘረባ ዘየምሎቜ እቲ ናይ ARRA ሓላፊ፣ ኣብ ከተማ ዳባት ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ውሑስ ኩነታት ይነብሩ ምህላዎም ኪዛረብ ምድፋሩ ፣ ነቲ ARRA ኣብ ምዉሓስ ድሕነትን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብቐጻሊ ዘርእዮ ዘሎ ሸለልትነት ዘረጋግጽ እዩ።
ARRA ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭን ከባቢኡን ንዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ኪሓባብእ ምምራጹ ፡ ምሕደራዊ ድኻማቱ ኣብ’ቲ ሓድሽ መዓስከር ንምሽፋን ኪኸዉን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብሰንኪ ምምሕዳራዊ ድኻማት ARRAን ንኡሳት ጨናፍራቱን ኣብ ከመይ ዝበለ ጸገም ወዲቘም ምህላዎም ንኹሉ ርጉጽ እዩ።
ነዊሕ ናይ ዳግመ ሰፈራ መስርሕ ዝተጸበዩ ፣ ብትምህርቲ፡ መርዓን፡ ምጥርናፍ ስድራቤትን ዉዕላት ስራሕን ናብ ሃገራት ምዕራብ ከምርሑ ፍቓድ ዝረኸቡ ሓያለ ኤርትራዉያን ፡ ካብ ARRAን UNHCRን ኪረኽብዎም ግድን ዝኾኑ ሰነዳት ጒዕዞን ምምሕዳራዊ ደገፋትን ስኢኖም መደባቶም ይተዓናቐፍ ከምዘሎ ይፍለጥ።