ብ 14 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ዘሎ መበል 16 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ ፡ ብዝሒ ተሳተፍቲ ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዘይምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ሮማ ናይ ጥልያን ዝቃናዕ ዘሎን ክሳብ 18 ሚያዝያ ዝቕጽልን  ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለዉ ደገፍቲ፡ ዝበዝሑ ሽማግለታትን ማእከላይ ዕድመ ዝተሳገሩን ምዃኖም እዩ ኣቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለዉ ዝርካቦም መንእሰያት እዉን፡ ኣብ ብስክፍታን ሕብእብእን ምህላዎም ዝጠቐሰ ኣቲ ሓበሬታ፣ “ጉጅለ ህግደፍ ኣሳጒጉና” ኢሎም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝቕመጡ ነባራትን ሓደስቲን ደገፍቲ እቲ ጉጅለ፣  ብመንግስታት እተን ተዓቚቦምለን ዝርከቡ ሃገራት ከይልለዩን ምስ ህግደፍ ዘለዎም ተደናጋጽነት ከይቅላዕን ልዑል ጥንቃቐ ከረጋግጹ ይሃልኩ ምህላዎም የረድእ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ መገሻን መጻንሒን ወጻኣኢታቶም ተሸፊንሎም ናብ ከተማ ሮማ ኣምሪሖም ዘለዉ ሽምጉላትን ገለ ነኣሽቱን ኣባላት “መንእሰያት ህግደፍ” ፡ ብዛዕባ እቲ ተመዲቡ ናይ ኣዋርሕ ምሽብሻብ ኪካየደሉ ዝጸንሐ ዋዕላ ብዙሕ ከይዛረቡን ከየዕልሉን መምርሒታት ተዋሂብዎም ይሳተፉ ከምዘለዉ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ምስ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ደንበ ፍትሒ ዝተራእየ መድረኻዊ ዘይምስምማዕ በቲ ሓደ ፣ እቲ ኲናት ዘገናፈሎ ሃገራዊ ስምዒታት ድማ በቲ ካልእ ፣ ህዝባዊ ደገፍ ይኸስብ ኣለኹ ኢሉ ዝኣምን ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ምጅማር እዚ ዓመት ናብ መንእሰያት ዘነጻጸረ ዉዳቤታትን ዜናዊ ወፍርታትን ከሐይል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ’ቲ 18 ሚያዝያ ዚዛዘም ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ ዝተላዕሉ ዛዕባታትን ዝሓለፉ መምርሒታትን ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብ ቀረባ መጻኢ ከነቕርበልኩም ንኸዉን።